ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ግዝያዊ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ክወጹ ምግዳዶም ኣፍሊጦም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ዝርከብ ግዝያዊ መአከቢን መፋነዊን ማእከል ስደተኛታት (GDF) ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝጸንሑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብዘይድልየቶም ካብቲ ማእከል ክወጹ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይግደዱ ምህላዎም ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ማእከል ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሐ አብዲ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ “ዝተዋህበና ምክንያት የለን በቃ ካብዚ ውጹ ኢና ተባሂልና፡ ናበይ ከምንኸይድ’ውን ኣይንፈልጥን ኢና፡ እንተሞገትና’ውን ዝሰምዓና ኣይረኸብናን፡ ስለዚ ሕጂ ዘለና አማራጺ ናብ ጎደናታት ወጺና ስርቂ ዝምታ እንተጋጠመ ዕድልና ገንዘብ እንተረኸብና ድማ ባሕሪ አቋሪጽካ ምዃድ ጥራይ እዩ” ይብል።

ካልእ ኣሕመድ መሃመድ ዝተባህለ ድማ “ ካብ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ፈልዮም እዮም ንኢትዮጵያዊያን ዘጓንዩና። ጉዳይና ዝሰምዕ ጸገምና ዘጻርየልና አካል የለን። ንምንታይ ኢልና ምስ ንሓትት ሃገርኹም ሰላም እዩ። መንግስትኹም ተቐይሩ’ዩ ዝብል መልሲ ይህቡና። ንሕና ዘለናዮ ኩነታት ግን ብጣዕሚ ከቢድ እዩ” ኢሉ።

እቶም ኣብቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰላም ኣብ ውሑስ ደረጃ ኣይበጽሓን ስለዚ ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰለና ይከበረልና ኢሎም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ ታሪቅ አርጋዝ፡ UNHCR : ነቲ ግዝያዊ መጽንሕን መፋነዊን ማእከል (GDF) ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ጸገም ምዕጻው ገሊጹ`ሎ፡ ካብ ካልኦት ዜጋታት ፈልዮም አጓንዮምና ሰጉጎምና ንዝብል ክሶም ድማ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ።

XS
SM
MD
LG