ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

418 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ተገሊጹ


ኣብ የመን ተዓጊቶም ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 400 ኢትዮጵያዊያን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ድሕሪ 2015 ካብ የመን ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዚ ናይ መጀመርያ እዩ።

ካብቶም ስደተኛታት ፈላማይ ጉጅለ ዝሓለፈ ሶኑይ ናብ ሃገሮም ምምላሶምን እቲ መስርሕ ድማ ክሳብ ሓሙስ ከምዝቕጽል ብጠቕላላ 418 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

418 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:07 0:00

XS
SM
MD
LG