ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

7 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ታንዛንያ ምሟቶም ፖሊስ ሓቢሩ


ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተተምርሕ ዝነበረት 13 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ኣብ ገማግም ታንዛንያ ብምትሓላ 7 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ምሟቶም ፖሊስ ታንዛንያ ኣፍሊጡ።

ታንጋ ናይ ዝተባህለ ዞባ ፖሊስ ኮማንደር ኤድዋር ቡኮምበ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል እታ ጀልባ ትማሊ ሶኑይ ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውብ ገማግም ታንዛንያ ዝኾነ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምጥሓላ ገሊጹ።

“ ካብቶም ኣብታ ጀልባ ተጻዒኖም ዝነበሩ 12 ሰባት ኢትዮጵያዊያን እዮም፡ እቲ ሓደ ሰብ ካፕቴን እታ መርከብ ግን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ብዘይ ምፍላጡ ዜግነቱን ክፍለጥ ኣይከአለን።”

ብተወሳኺ ኮሚሽነር ኤድዋርድ ሃለዋት እቲ ዝጠፍአ ሰብ ንምፍላጥ ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ ግቡእ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምክያድ ጉዳይ እቶም ዝደሓኑ ብዝምልከት ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ ምህላዎም ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG