ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

64 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓፊኖም ሞይቶም


64 ኢትዮጵያዊያን ፍልሰተኛታት ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓፊኖም ምማቶም መራኸቢ ብዙሃን ሞዛምቢክ ኣፍሊጠን።

ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይጉዓዙ ነይሮም ዝተብሃሉ እዞም ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት መተንፈሲ ኣብዘይብሉ ዝተዓሸገ ናይ ፅዕነት መኪና ተዳጒኖም ኣብ ከተማ ሞአቲዜ እታ መኪና ኣብዝተፈተሸትሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ካብ ዝነበሩ 78 ሰባት 64 ሞይቶም ተረኺቦም ኣለው።

ኣብ ታንዛኒያ ናይ ኢትዮጵያ ሚሽን ዲፕሎማት ኣቶ ቴድሮስ ግርማ ኤምባሲኦም እቲ ሓበሬታ ከምዝበፅሖ ገሊፆም።

’እቲ ዜና ሰሚዕናዮ ኣለና።ኣብዚ ስዓት እዚ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተንቀሳቒስካ ሓበሬታ ምእካን ብኣካል ከይድኻ ምፃራይን ኣይክኣልን።ብዙሓት ሃገራት በረራ ጠጠው ኣቢለን እየን።እቲ ናይ ምፅራይ ስራሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክነፃሪ ኢና ’’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:43 0:00


XS
SM
MD
LG