ባህርዳር —
ኢትዮጵያ ብዛዕባ ትሃንጾ ዘላ ዓቢይ ዲጋ ህዳሴ ሓደሓደ ኣህጉራዊ መራኽቢ ብዙሃን ዝህብዎ ዘለዉ ጸብጻብ ነተን ኣብቲ ተፋሰስ ንዘለዋ ሃገራት ተረባሕነት ዘተባብዕ ኣይኮነን ተባሂሉ።
ኣብቲ ዓውዲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ምሁራን ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ እቶም ጸብጻባት ሚድያ፡ ንኢትዮጵያ ብልኡላውነት ንግብጺ ድማ ብናይ ህልውና ሕቶ ጌሮም ምቕራቦም-ፍትሓዊ ኣይኮነን ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት`ውን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዘሕድር`ዩ ኢሎም።
ንግብጺ ናይ ህልውና ሕቶ ንኢትዮጵያ ድማ ናይ ሉኡላውነት ጉዳይ ጌርካ ብመሓውራት ዜና ግጉይ ዝኾነ ሓበሬታ ምቕራብ ኣብቶም ሸምገልቲ ግጉይ መረዳእታ ክህሉ ዕድል ፈጢሩ`ዩ ዝብሉ እዞም ምሁራት፡ እቲ ጸብጻባት ነተን 11 ኣብ ተፋሰስ ኒል ዘለዋ ሃገራት`ውን ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።