ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ክብረ ወሰን ፍርቂ ማራቶን ፖርቱጋል ትሰብር


ይበርጋል መለሰ(ፋይል)
ይበርጋል መለሰ(ፋይል)

ትማሊ ሰንበት ኣብ ሊስቦን ፖርቱጋል ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊት ይበርጋል መለሰ ኣቐዲሙ ዝጸንሓክብረ ወሰን ብምስባር ብ1፡00፡16 ቀዳመይቲ ኮይና ክትዕወት ከላ እስራኤላዊት ሎናህ ቻማቲ ብ1፡07፡55 ካልኣይቲ፡ ኬንያዊት ቤቲ ለምባስ ድማ ብ1፡09፡49 ሳልሳይቲ ኮይና ተዓዊታ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ሞሮካዊ ሙስጠፋ ኢል አዚዝ ብ1፡00፡16 ቀዳማይ ፡ ኢትዮጵያዊ ዓብደዊክ ቱራ ብ1፡00፡41 ካልኣይ፡ ኤርትራዊ ኣማኑኤል መሰል ብ1፡00፡45 ሳልሳይ ብምኳን ተዓዊቶም።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ማራቶን ውድድር ኢትዮጵያዊ ልመንህ ጌታቸው ብ 2፡07፡34 ቀዳማይ፡ ኬንያዊ ሳሙኤል ኑዱንጉ ብ2፡07፡51 ካልኣይ ኬንያዊ ጃስተን ኪፕሶንጊ ብ2፡07፡58 ሳልሳይ ብምኳን ክዕወቱ ከለው ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኢትዮጵያዊት ኩፍታ ዳዲሶ ብ2፡24፡56 ቀዳመይቲ፡ ኬንያዊት ሞኒካ ጄፕኮች ብ2፡27፡35 ካልኣይቲ፡ ኢትዮጵያዊት ትግስት መሙየ ብ2፡28፡35 ሳልሳይቲ ብምኳን ተዓዊተን ኣለዋ።

ልመንህ ጌታቸው
ልመንህ ጌታቸው

እቲ ውድድር ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ዝተራእየ ህቦብላን ንፋስን ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ምድንጓይ ዝተጀመረ ኽከውን ከሎ ናይቲ ፍርቂ ማራቶን ዝኻየደሉ ቦታ ለምተቐየረ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣቐዲሙ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ናይ 20 ኪ.ሜ ውድድር ጉያ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ኤርትራዊ ሳሙኤል ጸጋይ ቀዳማይ ሩዋንዳዊ ፈሊሳ ሙሂቲራ ካልኣይ ፈረንሳዊ ሓሰን ቻሃልዲ ሳልሳይ ኮይኖም ክዕወቱ ከለው ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ፈረንሳዊት ኦፈሊ ክላውድያ ቀዳመይቲ፡ ኢትዮጵያዊት ጫልቱ ዲዳ ካልኣይቲ ፈረንሳዊት ሊቭ ዌስትፋል ሳልሳይቲ ብምኳን ተዓዊተን።

ሳሙኤል ጸጋይ
ሳሙኤል ጸጋይ

XS
SM
MD
LG