ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እጅጋየሁ ታየ ብዘይ ምኽንያት ካብ ውድድር ተገሊለ ክትብል ቕሬትኣ ትገልጽ


ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እጅጋየሁ ታየ -ፋይል
ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እጅጋየሁ ታየ -ፋይል

ዓለምለኸ ፌደረሽን ኣትሌትክስ ዘዳለዎ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድራት ኣትሌቲክስ ኣብ ኦሪገን ኣመሪካ ይካየድ ኣሎ።

ብመሰረት’ዚ፣ መጻረዪ ዙር ውድድር ጉያ 5-ሽሕ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክካየድ እዩ። ኤርትራዊት ራሄል ዳንኤል፣ ኢትዮጵያዊያን ጉዳፍ ጸጋይ፣ ዳዊት ስዩም፣ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ካስተር ሰመንያ፣ ኬንያዊያን ቢትርስ ቺቤት፣ ማርጋሬት ቺለሞ ትጽቢት ካብ ሞንጎ ዝግበረለን ኣትሌታት እየን።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እጅጋየሁ ታየ፣ ብዘይ ምኽንያት ካብ ውድድር 5-ሽሕ ተገሊለ ክትብል ቕሬትኣ ትገልጽ።

ንሳ ንድምጺ ኣመሪካ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ካብ ሞንጎ ናብ’ቲ ውድድር ዝተሓጸያ ኣትሌታት ብሉጽ ሰዓት ኣመዝጊበ እናሃለኹ፣ ካብ’ቲ ናይ ሎሚ ውድድር መጻረዪ ንክግለል ብፌደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ተወሲኑኒ" ትብል።

ንኣትሌታት ኢትዮጵያ መሪሑ ናብ ኦሪገን ዝኣተወ ኣቶ ተፈራ ሞላ ብወገኑ "እቲ ውሳነ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምብጋስና ዝተወሰነን ኣብ ስምምዕነት ዝተበጽሓሉን ጉዳይ’ዩ" ኢሉ።

ካልእ ዜና ኣትሌትክስ ኦሪገን 2022፣ ሎሚ ረቡዕ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዛዛሚ ውድድር 3000 ሜትሮ መሰናክል ክካየድ እዩ። ኢትዮጵያዊያን መቅደስ ኣበበን የወርቍሃ ጌታቸውን፣ ኡጋንዳዊት ፔሩዝ ቼሙታይን ኬንያዊት ሴልፋይን ቼስፖልን ሜዳልያ ወርቂ ክዕወታ ይኽእላ’የን ተባሂለን ትጽቢት ይግበረለን።

XS
SM
MD
LG