ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ዓረብ ኢማራትስን ካብ ወደብ ዓሰብ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ነዳዲ መስመር ንምዝርጋሕ ተሰማሚዐን


ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስን ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ መስመር ምተሓላለፉ ነዳዲ ንምዝርጋሕ ምስምማዓን ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሚንስተር ዓለምለኸ ምትሕብባር ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ሪም ኣል-ሃሽሚን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምርኻብ ተዘራሪበን ኣለዋ።

ብመሰረት እቲ መግለፂ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢትዮጵያን ዓረብ ኢማራትስን ርክበን ብዝበለፀ ንምሕያል ተመኻኺሮም ኣለው ።ኢትዮጵያን ዓረብ ኢማራትስን ካብ ወደብ ዓሰብ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ነዳዲ መተሓላለፊ መስመር ንምዝርጋሕ ተሰማሚዐን ኣለዋ።መዓስን ከመይን ግን ዝርዝር መብርሂ ኣይተወሃበን።

ወደብ ዓሰብ ምጥቃም ብዝምልከት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀረባ ምስምምዐን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG