ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ሩስያን ስምምዕ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ምፍርራመን ተገሊጹ


ኢትዮጵያን ሩስያን ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ሽርክነት ክመያየጣ ድሕሪ ምቕናይ ስምምዕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ተፈራሪመን።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ፋና፡ ሓላፊት ፋይናንስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ማርታ ሊዊጂ ፡ እቲ ስምምዕ ንምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግር`ዩ ኢላ`ላ።

ኣገልግሎት ዜና ፋና እቲ ምስ ሩስያ ዝተገብረ ስምምዕ ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዓቕምን ፍልጠትን ብቴክኖሎጅን ዘሳግር ምዃኑ`ውን ኣብቲ እዋን ገሊጹ`ሎ ።

ብተመሳሳሊ ዜና ሱዳን ኣብ ግዝኣታ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ንምኽፋት ንስምምዕ ትዳሎ ከምዘላ ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ማሪያም ኣል-ሳዲቅ ኣል ማሕዲ ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን`ዩ።

XS
SM
MD
LG