ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳንን ሰሜናዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ቐታሊ ቫይረስ ኢቦላ ምርኣዩ ድሕሪ ምርግጋፁ ናብታ ሃገር ከይኣትው ሰበስልጣን ጥዕና ደቡብ ሱዳን ፃዕርታቶም ከምዘሐየሉ ኣፍሊጦም።
ናይ ደቡብ ሱዳን ጠቕላሊ ዳይረክተር ኣገልግሎት ምቁፅፃርን ህፁፅ ምክልኻልን ሕማማት ዶ/ር ፒኒ ኒሞል ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ምስ ኮንጎ ናብ ዘዋስን ክፍለ ግዝኣት የይ ሪቨር ሸውዓተ ሰባት ዝሓቖፈ ጉጅለ ምልኣኹ ገሊፆም። “ዕላምኡ ድማ ዳህሳስን ድልውነትን ኢቦላ ንምሕያል እዩ’’ኢሎም ኣለው።
ንሶም ብተወሳኺ “ምንቅስቓስ ሰባት ስለዘሎ ቫይረስ ዝተሸከመ ሰብ ናብ ደቡብ ሱዳን እንተሰጊሩ ክመሓላለፍ ስለዝኽእል ኣዚና ተሻቒልና ኣለና’’ ኢሎም ኣለው።
በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈት 40 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ኣሪዋራ ናብ ዝተባህለ ማእኸል ንግዲ ቅድሚ ምምፅኣ ካብ በኒን ኣስታት 500 ኪሎ ሜትር ተጓዒዛ ከምዝመፀት ሰበስልጣን ኮንጎ ሓቢሮም።
ሰሜን ኪቩ ኢቦላ ዝተባርዐሉን ልዕሊ 1,500 ሰባት በቲ ለበዳ ዝሞትሉን ከባቢ እዩ።