ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢቦላ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኮንጎ ዳግማይ ብናህሪ ይጋፋሕ ከምዘሎ ተገሊጹ


ኢቦላ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ዳግማይ ብቕልጡፍ ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከብ።ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ፍርቂ ወርሒ መስከረም እቲ ለበዳ ይዝርጋሓሉ ዘሎ ርሑቕ ከባቢ ተጓዒዞም ኣለው።ብኣሜሪካ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ተስፋን መድሓኒት ሒዙ ናብቲ ከባቢ እንተተጉዓዘ እውን እቲ ፈተና ግን ቀፂሉ’ሎ።

ኣብዚ ኣዚዮም ሒደት ምዕራባዊያን ዝደፍሩዎ ጉዕዞ ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ኣሌክስ ኣዛር ናብቲ ከባቢ ንፈለማ ግዜ ብምኻድ ንማእኸል መሐከሚ ኢቦላ ቡቴምቦ በጺሖም ኣለው።ንሶም ብዛዕባ ዑደቶም ከምዚ ኢሎም።

“ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት’ዩ። ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ይወርድ ዘሎ ኩነታት። ኣዝዮም ብዙሓት ቆልዑ’ዮም ተለኪሞም። ብዝሒ ዝሓመሙ ቆልዑ ምርኣየይ’ዩ ዝያዳ ኣሕዚኑኒ።እንተኾነ ሓያል ተስፋ ሰኒቐ’የ መጺኤ ዘለኹ።”

እቲ ለበዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ጀሚሩ።ልዕሊ 3,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፤ልዕሊ 2,000 ሰባት ድማ ሞይቶም።

ናይ ምድሓን ተስፋ ኸኣ ኣሎ።ክልተ ሓደሽቲ ተስፋ ዝተገበረሎም መድሓኒታት ኣለው።ነቶም መድሓኒታት ናይ ዘማዕበለ ጉጅለ ኣባልን ዳይሬክተር ሃገራዊ ኢንስቲቱት ኣለርጅን ተመሓላላፊቲ ሕማማትን ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ እቲ መድሓኒት ምሉእ ብምሉእ ዘሕውይ ዘይኮነስ ኣዚዩ ውፅኢታዊ እዩ ይብሉ።

“ዘድሕን እዩ ክብሃል ከሎ ነዚ መድሓኒት ዝወሰደ ኩሉ ሰብ ክድሕን እዩ ማለት ኣይኮነን።ብዝለዓለ ደረጃ ዝሓሙ መድሓኒት ዘይድሕኖም ሰባት ኣለው እዮም።ካብዞም መድሓኒታት ንሓዲኡ እንተወሲድካ ብኢቦላ ዝወርድ ሞት ኣዚኻ ትንክዮ ኢኻ ዘለኻ።”

ኣብዚ ከባቢ ናይ ዘይምትእምማን ባህሊ ዝለዓለ እዩ።ኢቦላ ቫይረስ ዘይኮነስ ሰብ ዝፈጠሮ መርዚ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ገለ ሰባት ኣለው።

ናብቲ ማእኸል መሐከሚ ኢቦላ ዝኣተወ ሕሙም ወይ ብሻንጣ ተጠቕሊሉ ወይ ድማ ብናይ ሬሳ ሳንዱቕ እዩ ዝወጽእ ዝብል ዝተጋገየ ናይ ህዝቢ ኣረኣእያ ኣብ ዝሓለፈ ነይሩ እዩ።ኣብቲ ማሕበረሰብ ነዚ ኣተሓሳስባ ዝቕይር ሰፊሕ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ።

ሙሊያንዛ ሁጌተ ዝተባህለት መንእሰይ ኣብ ፈተነ ዝርከብ Monoclonal Antibody 114 ዝብሃል መድሓኒት ወሲዳ ምሉእ ብምሉእ ዝሓወየት እያ።ሎሚ ካብ ገጠር ናብ ገጠር እናዘረት መድሓኒት ክወስዱ ንሰባት ኣብ ምልዕዓል ትርከብ።

ካልእ ፈተና እውን ኣሎ።ኣብ ዶባት ኮንጎ ከባቢታት ንምቁፅፃር ነንሕድሕዶም ዝዋግኡ ልዕሊ 100 ጉጅለታት ይንቀሳቐሱ ኣለው።ምርግጋፅ ድሕንነት ሰራሕተኛታት ጥዕና ከቢድ ስራሕ እዩ።

ኣሜሪካ ክታበት ፀረ ኢቦላ ንምምዕባልን ንሕክምናን ዝውዕል ድሮ ልዕሊ 300 ሚሊዮን ዶላር ሓጊዛ’ላ።ሚንስትር ኣዛር ናቶም ናብቲ ከባቢ ምምፃእ ኣሜሪካ ነቲ ከባቢ ንምሕጋዝ ዘለዋ ድልውነት ዘረጋግፅ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG