ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሳያስ ተባሂሉ ዝተጸውዐ መሸንበባ ማይ ካብ ካሪብያን ናብ ኣሜሪካ ምጽግዑ ተገሊጹ


ኢሳያስ ተባሂሉ ዝተጸውዐ መሸንበባ ማይ ካብ ካሪብያን ናብ ኣሜሪካ ብምጽጋዕ ሎሚ ኣብ ግዝኣታት ካሮላይና ብርቱዕ ማዩ ክኽዕዎ`ዩ ይብሃል ኣሎ።

እቲ ኣብ ካሪብያን ክረአ ዝቐነየ ዝቐነየ ትሮፒካዊ መሸንበባ እሰያስ፡ ናብ ወሰናስን ባሕሪ ኣመሪካ ተጸጊዑ ብግዝኣት ጆርጅያ ክሓልፍ ከሎ ኣብ ሰዓት 110 ኪ፣ሜ ናይ ምውንጫፍ ሓይሊ ከምዘለዎን ኣብ መሬት ኣብ ከባቢ ሰሜንን ደቡብን ካሎራይና ዝናብ ከፍስስ ከሎ ናብ ደረጃ ሓይሊ ሀሪከይን ከም ዝድይብን ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ድሮ ንኖርዝ ኮሮላይና ህጺጽ ሓደጋ ኣዊጁ`ሎ- ንዕኡ ዝኸውን ገንዘብ ብኣግኡ ክፍቐድ ይጠልብ’ሎ ።

እዚ መሸንበባ ማይ፡ ቀዲሙ ብምምጻእ ሪኮርድ ዝሓዘ ተባሂሉ`ሎ። ቅድሚ 15 ዓመት ዝመጸ ኣይሪን ዝተባህለ መሸንበባ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዕለት 7 `ዩ ተመዝጊቡ ጸኒሑ። ጥርዚ ወርሓት መሸንበባ ማይ ኣብ ከባቢ መስከረምን ጥቅምትን ክኸውን ከሎ፥ መሸንበባ ማይ `ኢሳያስ` ግን ኣብ ሓምለ ምምጽኡ ዝቐደመ ተባሂሉ ክምዝገብ ክኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG