ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሰመኮ ምንህሃር ውጥረትን ናይ ቃላት ልውውጥን ስግኣት ሰብኣዊ መሰላት'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ)
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ)

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ)፡ ምንህሃር ውጥረትን ናይ ቃላት ልውውጥን ንሰብኣዊ መሰላት ስግኣት ምዃኑ ኣሰሚዑ።

ኩሎም ወገናት ግጭት ካብ ምትኹታኽን ካብ ናይ ጽልኢ ቃላትን ተቖጢቦም ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩን ኣብ ልዝብ ክጽመዱን ዝጸውዐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ሓባራዊ ምርድዳእን ምጽውዋርን ንክህሉ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ኣለዎ ኢሉ።

ኢሰመኮ ኣብቲ ዘውጽኦ ሓዲሽ መግለጺ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰበ-ስልጣን ትግራይ ከምኡ`ውን ዓፋር፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ክበጽሕ ክተሓባበሩ ተማሕጺኑ`ሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ:ኢጋድ ከምኡ`ውን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምክልኻል ሓዲሽ ግጭትን ናብ ልዝብ ምምጻእን ንዝግበር ጻዕርታትን ክድግፉ`ውን እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG