ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን- ኣመሪካ ዳግማይ ካብ ውዕል ኑክሌር 2015 ከምዘይትወጽእ መረጋገጺ ክትህብ ትሓትት


ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራዒሲ -ፋይል
ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራዒሲ -ፋይል

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራዒሲ፡ ኣመሪካ ካብቲ ናይ 2015 ውዕል ኑክሌር ከምዘይትወጽእ ውሕስነት እንተዘይሂባ፡ ነቲ ውዕል ንምሕዳስ ስምምዕ ኣይንገብርን ኢና ክብል ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ 2018 ካብቲ ውዕል ስሒቡ ምንባሩ ይዝከር።

ብኻልእ ወገን፡ ክልተ ሪፓብሊካን ኣባላት ኮንግረስ፡ ቴህራን ብጽቡቕ ድልየት ትሰርሕ ኣላ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ።

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ዘለዉ እዋን፡ መራሒ ኢራን ነቲ ናይ 2015 ውዕል ኑክሌር ንምብርባር ዝነበረ ተስፋ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩዎ`ሎ። ፕረዚደንት ኢብራሂም ራዒሲ ምስ ሲ.ቢ.ኤስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ካብቲ ውዕል በይናዊ ምንስሓብ ስለዝገበረ፡ ሕጂ ድማ ዋሺንግተን ካልኣይ ግዜ ከምዘይትወጽእ መረጋገጺ ክትህብ ንደሊ ኢና ኢሉ።

ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝርከብ ኢንስቲቱት ማእከላይ ምብራቕ ዳይሬክተር ፕሮግራም ኢራን ዝኾነ ኣለክስ ቫታንካ ግን፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ብዛዕባ ብሕጂ ዝመጹ ምምሕዳራት ዝገብርዎ ውሳነ ውሕስነት ክህብ ከቢድ`ዩ ይብል።

ንሱ ወሲኹ “ብወገን ኢራን ክርድእዎ ዘለዎም ዝመስለኒ፡ እቲ ዝቕጽል ውዕል ፡ ነባሪን ኣመሪካውያን ካብኡ ንከይወጹን ክገብርዎም እንተደልዮም፡ ንኢራን ዝሓሸ ረብሓ ዝኸውን፡ ቀልጢፎም ነቲ ፖለቲካዊ ዘተ ምስፍሑን፡ ምስ ኣመሪካ ድማ ምትእምማን ከምዝሓድር ምግባርን`ዩ “ ይብል።

ኣብ ዋይት ሃውስ ኣተሓባባሪ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጆን ከርቢ ብወገኑ፡ ኣመሪካን ኢራንን ካብ ስምምዕ ርሒቐን`የን ዘለዋ ድሕሪ ምባል፡ እንተኾነ እቲ ውዕል ኑክሌር ዳግም ምብርባሩ ዝሓሸ`ዩ ይብል።

“…ኣመሪካ ናብቲ ሓባራዊ ውዕል ኑክሌር ኢራን ክትምለስ ትደሊ`ያ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ምምሕዳር ቅድሚ ምስሓቡ እቲ ውዕል ይሰርሕ ምንባሩ ስለ እንኣምን። ሕጂ ኢራን ድማ ነቲ ናይ 2015 ውዕል ናብ ቦትኡ ንምምላስ ዝቐረበት ትመስል።"

ኣብ ካፒቶል ሂል ሪፓብሊካን ኣባላት ባይቶ ነቲ ናብ ውዕል ኑክሌር ንምምላስ ብምምሕዳር ባይደን ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ኣይደገፍዎን። ሪፓብሊካን ቲም በርቸት፡ ኢራን ብሰናይ ድልየት ትሰርሕ ኣላ ኢለ ኣይኣምንን`የ ይብል።

ቲም በርቸት “ኢራናውያን ዘይምኽንያታውን ዘይክውንነታውን ጠለባት`ዮም ዘቕርቡ ዘለዉ። ነቲ ኣብ ናይ 2015 ውዕል ዘሎ ምሉእ ቁጠባዊ ረብሓ ይደልዩ ኣለዉ። ሕብራት ሃገራት ኣብ ኢራን ዝገብሮ መርመራ ኑክሌራዊ ነገራት'ውን ጠጠው ከብሎ ይደልዩ ኣለዉ” ይብል።

ውዕል ኑክሌር ዳግም እንተ ተበራቢሩን እገዳ እንተፈኹሱን፡ ኢራን እንታይ ክትገብር ከምትኽእል የሰክፍ`ዩ ዝብለ ድማ ኮንግረስማን ሚካኤል ማካውል`ዩ።

ንሱ “… ማዕቀብ ኢራን እንተተላዒሉ፡ ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ናብ ኢራን ክኣቱ`ዩ፡ እዚ ድማ ናብ ናይ ቀደም ተመሳሳሊ ተመክሮ ምምላስ`ዩ፡ ኣብ ሶርያ: ዒራቕ: ሊባኖስ ከምኡ`ውን ኣብ የመን ዘሎ ግብረ ሽበራ ብገንዘብ ክትድግፎም ምርኣይ ማለት`ዩ" ይብል።

ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበት ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ካተሪን ኮሎና ብወገና፡ ኢራን ነቲ ዝቐረበላ ምብርባር ውዕል ኑክሌር ክትቅበል ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ካብኡ ዝበልጽ እማመ ከምዘይትረክብ መጠንቀቕታ ኣሕሊፋ`ላ።

XS
SM
MD
LG