ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ኑክልየር ዳግማይ ከምዘይትዛተይ ኣፍሊጣ


ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ሃገሩ ኣብቲ ናይ 2015 ዓ.ም ስምምዕ ኑክልየር ዳግማይ ዘተ ከምዘይተኻይድ ኣፍሊጦም።

ኢራን ነዚ ዘፍለጠት ፕረ.ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብቲ ስምምዕ ክትጸንሕ ወይ ክትወጽእ ውሳነኣ ቅድሚ ምፍላጣሓደ መዓልቲ’ዩ።

“ንምንጪ ጸጥታ ሃገርና ክነጸፍ ኣይነፈቅድን ኢና ብተወሳኺ ኣብቲ ብእምነት ዝተገብረናዮ ስምምዕ ኣይክንውስኽን: ዳግማይ ክንዛተ’ውን ፍቃደኛታት ኣይኮና” ክብሉ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ጃቪድ ዛሪፍ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ትራሞፕ ኣብቲ ስምምዕ ለውጢ እንተዘይተጌሩ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ክትወጽእ ምዃና ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ዓሊ አክባር ቪያታሊ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ኣማኻሪ አያቱላህ ኮመኒ ብወገኖም ፕረዚደንት ትራምፕ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተበጸሓ ስምምዕ እንተወጺኦም ሃገሮም’ውን በቲ ስምምዕ ከምዘይትቕየድ ኣፍሊጦም እዮም።

ንሶም ብተወሳኺ ኢራን ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ስምምዕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቀቢላቶያ ኣብ ልዕሊኡ ንዝውሰኽ ኮነ ዳግማይ ዘተ ድማ ሃገሩ ከምዘይትቅበሎ ኣፍሊጦም ኣለው።

ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ ሰለስተ ሃገራት ጀርመን: ፈረንሳን ብሪጣንያን ፕረዚደንት ትራምፕ ካብቲ ውዕል ከይወጹ ክምሕጸና ጸኒሓን እየን።

ቻይናን ሩስያ’ውን ነቲ ስምምዕ ኑክልየር ኢራን ምፍራመን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG