ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን ንድፊ ሕብረት ኣውሮጳ ንምሕዳስ ውዕል ኑክሌር 'ተቐባልነት' ክረኽብ ይኽእል'ዩ ትብል


ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ 2015 ምስ ኢራን ተበጺሑ ዝነበረ ውዕል ኑክሌር ዳግም ንምሕዳሱ ዘቕረቦ ንድፊ ሓሳብ ቀንዲ ጠለባት ኢራን መረጋገጺ ዝህብ እንተኾይኑ ተቐባልነት ክረክብ ከምዝኽእል ንሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኢራን ብምጥቃስ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢራን ኢርና ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቪየና ንኣርባዕተ መዓልታት ቀጥታዊ ዘይኮነ ዝርርብ ምክያዱ ስዒቡ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ መወዳእታ ሰነዱ ምቕራቡ ገሊፁ ነይሩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ን15 ኣዋርሕ ልዝብ ዝተኻየደሉ ሰነድ ተወሳኺ ለውጢ ኣይግበረሉን "ካብ ኩሎም ወገናት ኣብ ኣዚዩ ሓፂር ዝብሃል ሰሙናት ናይ መወዳእታ ውሳነ ትፅቢት እገብር እየ" ኢሉ።

ኢርና ብሽም ንንዘይገለጾም ዲፕሎማት ኢራን ብምጥቓስ ቴሂራን ነቲ ንድፊ ትግምግሞ ኣላ ኢሉ።እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኢራን ምልዓል ማዕቐባት ሓዊሱ መረጋገፂ እንተድኣ ተዋሂቡዋ ብሕብረት ኣውሮጳ ንዝቐረብ ንድፊ ክትቕበሎ ትኽእል እያ ኢሉ።

ኢራን ከምቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2018 ነቲ ስምምዕ ብምፍራስ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣንቢራቶ ዝነበረት ከቢድ ማዕቐብ ዳግም ዘንበረቶ ቀፃሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ከየፍርሶ መረጋገፂ ይወሃበኒ ክትብል ፀኒሓ እያ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን እቲ ስምምዕ ሕጋዊ ኣሳሪ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ምርድዳእ እዩ ክብሉ ከምኡ ዝበለ መረጋገፂ ከምዘይህቡ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG