ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን ናብ ስምምዕ ኑክሌር 2015 ክትምለስ ዘሎ ተስፋ ትሑት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ


ኢራን፥ ንናይ 2015 ውዕል ጉዳይ ኑክሌር ንምብርባር፥ ናብ ዘተ ትምለሰሉ ግዜ ይጽንቀቕ ኣሎ ክብል፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተዛሪቡ። ኢራን ምዝታይ እንተኣብያ ግን ኣመሪካካልእ ኣማራጺ ከምዘለዋ`ውን ገሊጹ`ሎ።

ትማሊ ረቡዕ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ናይ እስራኤልን ኢማራት ዓረብን መዘናታቱ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን ኢራን ቀንዲ ዛዕባ ኔራ ። ኣንቶኒ ብሊንከን ንዝሓለፈ ትሸዓተኣዋርሕ፡ ኣመሪካ ናብቲ ውዕል ኑክሌር ክትምለስ ምዃና ምምሕዳር ባይደን ኣፍሊጡ`ዩ፡ ኢራን`ውን ከምኡ ትገብር እንተኾይና ብዝብል: ሕጂ ግን ግዜ ይውዳእ ኣሎ ኢሉ ።

"ንጹር ዕለት ኣይከቐምጥን`የ፡ ግን ኢራን ብሰናይ ድልየት ናብቲ ጽምዶ ንምእታው ኣብ ትኣብየሉ እዋን እቲ ህድማ ብእኡ መጠን እናሓጸረ`ዩ ዝኸይድ" ኢሉ ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ያኢር ላፒድ ብወገኑ፡ ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ናይ ምውናን ስራሕ`ያ ተጸሚዳ ዘላ ዝብል ነቐፈታ ኣቕሪቡ።

"ኢራናውያን፡ ዓለም ደው ከምዘብሎም እንተዘይኣሚኖም ናብ ምስራሕ`ቲ ቦምብ ክጓየዩ `ዮም" ዝበለ ያኢር ላፒድ፡ እስራኤል ኣብ ዝኾነ እዋን ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰል ኣለዋ ኢሉ።

ብሊንከን ኣመሪካ ግን ሕጂ`ውን እቲ ናይ2015 ውዕል ኑክሌር ኢራን `ዩ ንብድሆታት ኢራን ዝያዳ ኣድማዒ ዝኸውን ዝብል እምነት ኣለዋ። እንተኣብያ ግን ካልእ ኣማራጽታት ክትጥቀም ድልውቲ`ያ ይብል ። ላፒድ ድማ ነቲ ናይ ትማሊ ርክቦም እቲ ኣማራጽታት`ዩ ቀንዲ ዛዕባና ኔሩ ይብል ።

ንኣዋርሕ፡ኣመሪካ ምስ ካልኦት ሓያላን ኮይና፡ ነቲ ናይ 2015 ውዕል ኑክሌር ኢራን ዳግም ክተበራብሮ ክትጽዕር ጸኒሓ`ያ።

ገለ ተዓዘብቲ ግን ምስዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ሓዲሽ መሪሕነት ኢራን እቲ ተስፋ ጭልምልም ዝበለ ምዃኑ`ዮም ዝግምቱ። ናይ ኢራን ፕረዚደንት ኢብራሂም ራኣይሲ፡ እቲ ፕሮግራም ኑክሌር ንሰለማዊ ዕላማ`ዩ ፡ እገዳታት ኣመሪካ ግን ሓዲሽ እወጃ ኩናት`ዩ ኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG