ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን: ሰፋሕቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ይቕጽል


ንሞት ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ስዒቡ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ኢራን፡ ነቲ ዓቃባዊ መሪሕነት እታ ሃገር ዓቢ ተቓውሞ ኰይኑ ኣሎ። ማህሳ ብናይ ስነ-ምግባር ፖሊስ ተኣሲራ ድሕሪ ዝወረዳ ማህረምቲ’ያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፋ።

“እዚ ዓመት ዓመተ ምፍሳስ ደም ኣብ ኢራን’ዩ” ክብሉ ሰልፈኛታት ኣብ ቴህራን ይጭርሑ። ወታሃደራውያን ፖሊስ ከኣ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብቐረባ ክስዕቡዎን ክሕልዉዎን ይርኣዩ። እዚ ህዝባዊ ሰለማዊ ሰልፍታት ካልኣይ ሰሙኑ ሒዙ ኣሎ።

ማህሳ ኣሚኒ “ስነ-ምግባር” ኣየኽበረትን ብዝብል ክሲ ብፖሊስ እታ ሃገር ድሕሪ ምትሓዛ ኣብ ሳልሳይ መዓልታ’ያ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዓሪፋ። መንግስቲ ብዛዕባ ሞት’ዛ መንእሰይ መርመራ ክግበር ጸዊዑ ኣሎ። እዚ ኣጋጣሚ ግን ካብ ብዙሕ ኵርናዓት ዓለም ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ ኢራንን ደገፍ ነታ ኣብ ማእሰርቲ ዝዓረፈት መንእሰይን ይስዕብ ኣሎ።

ኣብ ኒው-ዮርክ፡ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ሰለማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራዪሲ ብሃገራት ምዕራብ፡ ኣንጻር ሃገሩ ዝገበር ዘሎ እገዳታት ዘይምኽኑይን መቕጽዒን ክብል ኣብቲ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ኣብ ዘሰምዖ መደረ ጠቒሱ። እቲ እገዳ ኣንጻር ህዝቢ ኢራን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መራሒ፡ ሃገሩ ናብቲ ናይ 2015 ስምምዕ ኒክሌር ክትምለስ ምዃና’ውን ኣሚቱ።

ገለ ኣመሪካውያን ሰበ-ስልጣናት ግን ኣንጻር ኢራን ዝተረረ እገዳ ክግበር ይውጽዑ። ካብ ሰልፊ ረፓብሊካን ዝዀነ ኣባል ሰነት ጆህን ባራሶ ንመደበር ኤቢሲ ከም ዝሓበሮ:“ኢራን ብመንግስቲ ዝምወል ሽበራ እተካይድ ሃገር’ያ። ቀጻሊ “ሞት ንኣመሪካ” እናበሉ ክፍክሩ ይስምዑ። ከምዚ እናበሉ ድማ ኒክለራዊ ኣጽዋር ከማዕብሉ ኢድና ኣጣሚርና ክንርኢ ኣይግባእን። እዚ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ምስ ኢራን ብዝዀነ ዋጋ ስምምዕ ኒክሌር ከካይድ ድሉው ዘሎ ይምሰል። ነዚ ሓሳብ’ዚ ደው ከነብሎ እመርጽ። እዚ ዘሎ ምምሕዳር ዓሰርተታት ቢልዮናት ናብ ኢራን ከመርሕ ዝፈቅድ ዘሎ ይመስል። እዚ ከነቋርጾ ጥራይ ኢና ዘሎንና።”

ሰልፈኛታት ኢራን ምስ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ጎንጺ ክኣትዉ ይረኣዩ ኣለዉ። ከም መርኣያ ደገፈን ሓያሎ ደቀንስትዮ ኢራን መሸፈኒ ርእሰን ዝዀነ መንዲል ኣውጺአን ከቃጽላ ይርኣያ። እዚ ብመንግስቲ ኢራን ዓቢ ምስጋር ቀይሕ መስመር’ዩ።

ምምሕዳር ባይደን ከኣ ነተን ተቓውሞ ዘርእያ ዘለዋ ደቀንስትዮ ዘለዎ ድጋፍ ኣርእዩ ኣሎ። ምስኡ ድማ ንዳግመ-ዘተ ስምምዕ ምምዕባል ኒክሎራዊ ኣጽዋር ክምለሶ ከም ዝደሊ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጄክ ሱሊቫን ንኣገልግሎት ዜና ኤ.ቢ.ሲ ከምዚ ክብል ገሊጹ ነይሩ፤“እዚ ዝርአ ዘሎ ሰፋሕቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ነዊሕ ዝሰረተን ተቐቢሩ ዝጸንሐን ህዝባዊ ጻውዒት ንመሰረታዊ መሰል’ዩ። እዚ ኣብያ’ዚ ድማ ብሓያሎ ወገናት ኢራናውያን ዝንጸባረቕ’ዩ። መንግስቲ ኣመሪካ ድማ መርገጺኡ ኣብዚ ጉዳይ ንጹር’ዩ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ ከም ዝጠቐሶ፡ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ዘርእየኦ ዘለዋ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ኣዕኑድ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት’ዮም።”

ኣብ መስርዕ ዓለማዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኢራን ኣብ ጫፍ ዝተሓተ ተርታ ሃገራት ትርከብ። ኣብ 2020 ብዓለማዊ ቍጠባዊ መጋብኣያ (World Economic Forum) ኣብ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ እተን ዝኸፍአ ሰብኣዊ መሰላት ዝርእየለን ተባሂለን ዝተረቝሓ ሃገራ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ሶሪያ፡ ፓኪስታን ኢራንን የመንን’የን።

ኣብ ኢራን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ደቀንስትዮ ብዘይ መዐመሚ ርእሲ ምስ ዝኸዳ ዓመታት ማእሰርቲ ክጽበየን ይኽእል።

ሕጂ ኣብታ ሃገር ብዝርአ ዘሎ ሰፋሕቲ ህዝባዊ ናዕብታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG