ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን፤ ምስ ተቓውሞ ብዝተኣሳስር ኣስታት 20 መንእሰያት ብሞት ከይቕጽዑ ተሰጊኡ'ሎ


ቤት ፍርዲ ኢራን
ቤት ፍርዲ ኢራን

ሰለስተ ፍሉጣት መንእሰያት ዝርከብዎም ናብ ኣስታት 20 ኢራናውያን ብምኽንያት ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ብሞት ከይቅጽዑ ተሰጊኡ`ሎ። ሓደ ዶክተር፡ ሓደ ናይ ራፖ ሙዚቃ ስነ፡-ጥበበኛ ከምኡ ድማ ሓደ ተጸዋታይ ኩዕሶ ዝርከቦም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኢራናዊያን መንእሰያት ብማሕነቕቲ ክቕጽዑ ይኽእሉ`ዮም ዝብል ስግኣት ኣሎ። ኢራን ተቓውሞታት ንምጭፍላቕ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከም እትጥቀም ይግለጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ክልተ መንእሰያት ዝተፈጸመ ማሕነቕቲ ተቓውሞ ዘስዓበ ክኸውን ከሎ ካልኦት ከይስዕቡ`ውን ተሰጊኡ`ሎ። ድሕሪ'ቲ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ዝተገብረ ፈላማይ መቕጻዕቲ ምዃኑ`ውን ተፈሊጡ`ሎ።

ዳይሬክተር ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ጉጅለ ተሓለቕቲ መሰላት ኢራን መሓመድ ኣሚሪ ሞቓዳም“ማሕነቕቲ ዘኽፍሎ ፓለቲካዊ ዋጋ እንተ ዘይተራእዩ፡ ጃምላዊ መቕጻዕቲ ሞት ክንርኢ ንኽእል ኢና"፡ ኢሉ ።

ንሱ መራሕቲ ኢራን ኣብ መንጎ ህዝቢ ፍርሒ ንምፍጣርን ነቲ ስርዓት ንምድሓንን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይጥቀሙ ኣለዉ ይብል።

እቲ ተቓውሞታት ኢራን ዝተወልዐ፡ ዘይእርኑብ ኣከዳድና ተኸዲንኪ ተባሂላ ብፖሊስ ዝተታሕዘት ማሕሻ ኣሚኒ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ከላ ድሕሪ ምሟታ`ዩ።

XS
SM
MD
LG