ዋሽንግተን —
ኢራን ምስቲ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ተቓውሞታት ብዝተኣሳሰር ሎሚ ሰኑይ ንካልኣይ ሰብ ብሞት ቐጺዓ።
ብቤት ፍርዲ ኢራን ዝውነን ኣገልግሎት ዜና 'ሚዛን' ማጂድረዛ ራህናቫርድ ኣብ ከተማ ማሻሃድ ብዕሊ ብማሕነቕቲ ተቐፂዑ ኣሎ ክብል ፀብፂቡ።
ራህናቫርድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ማሻሃድ ንኽልተ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ብበሊሕ ነገር ወጊዑ ብምቕታል እዩ ተኸሲሱ።
ተሓለቕቲ መሰላት ኢራን ብውሑዱ 12 ሰባት ኣብ ዕፁው ፍርዲ ሞት ተፈሪዱዎም ኣሎ ይብሉ።
ኣብታ ሃገር ምስ ዝረኣ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ሰብ ብሞት ተቐፂዑ።
ሓላፊ ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮጳ ጆዜፕ ቦረል ሎሚ ሰኑይ ከምዝበሉዎ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ንሰልፈኛታት ብምክልባትን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቓዕቲ ዝፍጽማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት)ን ንሩሲያ ብምቕራብን ‘ኣዚዩ ሓያል እገዳታት ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃባ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክ እቲ መቕጻዕቲ ሞት "ውፁእ ፈተነ ምፍርራሕ እዩ’’ ኢለን ብምግላፅ ምስ ኢራናዊያን ንፁሃን ሰባት ጠጠው ምባልና ኢና ነነፅር ዘለና ኢለን።