ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢራን: ሓድሽ ልዝብ ቕድሚ ምጅማሩ ኣሜሪካ ዘንበረቶ እገዳ ክለዓል ከምትደልይ ኣፍሊጣ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ ኣሜሪካ ፅምዶ ልዝብ እንተደልያ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ምድራት ምንቅስቓስ ኑክሌርን ዝተነብረ እገዳታት ክልዓለላ ኣብ 2015 ዝተበፅሐ ስምምዕ ክተኽብር ኣለዋ ኢሎም።

ሎሚ ሓሙስ ኣብ ማሌዢያ ዝርከቡ ዛሪፍ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣሜሪካ ኣንፃር ህዝቢ ኢራን ኣብዘቕንዐ ቁጠባዊ ሽበራ ተፀሚዳ ኣላ ክብሉ ኸሲሶም።

ንሶም ፕረዚደንት ትራሞፕ ሃገሮም ብሪጣኒያ፣ ቻይና፣ ፈረንሳይ፣ ሩሲያ፣ጀርመንን ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ዝሓቖፈ ስምምዕ ክትወፅእ ምውሳኖምብምዝኽኻር ንሶም ግን ካብቲ መስርሕ ከምዘይወፁ ገሊፆም።

ፕረ.ትራምፕ እቲ ስምምዕ ኢራን ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ከተማዕብል መንገዲ ዝህብ እዩ ክብሉ ብምንቃፍም ምሕዳሮም ኢራን ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ከይተማዕብል ምእጋድ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ናይ 2015 ስምምዕ ዘይነበረ ናይ ቦለስቲክ ሚሳይል ፕሮግራም ክድረት ትኹረት ከምዝገብር ኣብዚ ሰሙን ገሊፆም ኔሮም።

ናይ ኢራን ፕረዚደንት ሓሳን ሮሓኒ ሓድሽ ልዝብ ክካየድ እንተኾይኑ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ ማዕቐብ ብምልዓል ፈላማይ ስጉምቲ ክትወስድ ኣለዋ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG