ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢልሃን ዑመር ብሰንኪ ናይ ትዊተር ርእይቶ ፕረ. ትራምፕ ኣብ ልዕሌኣ ዝመጽእ ናይ መቕተልቲ ምፍርራሕ ምውሳኹ ትገልጽ


ፋይል
ፋይል

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኢልሃን ዑማር ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ 11 መስከረም 2001 ዝሃበቶ ርእይቶታት ዝነቅፍ ቪዲዮ ድሕሪ ምውፅኦም ኣብልዕሊኣ ናይ መቕተልቲ ምፍርራሕ ከምዝወሰኸ ገሊፃ።

ኢልሃን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ብዙሓት ክንቕትለኪ ኢና ዝብል መፈራርሒ ይፍንዉ ዘለው ፕረዚደንት ትራምፕ ንዘውፅኡዎ ቪዲዮ ብምጥቃስ ምኳኑ ሓቢራ።ብፀዓዱ የማናይ ክንፊ ፅንፈኛታት ኣብ ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለምን ናዕብን ስጉምታት ጽልኢ ከምዝወሰኸ ብምሕባር ብፕረ.ትራምፕ ነዚ የተባብዑ ምህላዎም ድማ ዕሽሽ ክንበሎ ዘይንኽእል እዩ ኢላ’ላ።

ንዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ብምውካል ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝኾነ ሶማሊያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑማር “ናዕበኛ መደረን ኩሎም ዓይነታት መደረታት ፅልእን ኣብ ማሕበረሰብና ቦታ የብሎምን፣ዋላ'ውን ካብ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሃገርና።ኩላትና ኣሜሪካዊያን ኢና።ንህይወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ፤ደው ክብል ኣለዎ’’ኢላ ።

ዋይት ሃውስ ፕረ. ትራምፕ ናዕብን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስላምና ፅልኢ የለዓዕሉ ኣለው ንዝብል ነፂጉዎ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፐሎሲ ናይ ፕረ. ትራምፕ ቪዲዮ ክብሪ ዘይህብን ሓደገኛ እዩ ኢለን ብምፅዋዕ ክውገድ ኣለዎ ኢለን።

XS
SM
MD
LG