ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢላን ማስክ ምስ ትዊተር ዝፈጸሞ ስምምዕ ንግዚኡ ደው ምባሉ ሓቢሩ


ኢላን ማስክ
ኢላን ማስክ

ኢላን ማስክ ዘየድልዩ መልእኽታት(ስፓም)ን ናይ ሓሶት መንነትን( ፌክ አካውንት) ብዝምልከት ዘይተወድኡ ዝርዝር ነገራት ኣሎ ብምባል ምስ ትዊተር ዝፈፀሞ ናይ 44 ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ንግዚኡ ደው ከምዝበሎ ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ።

ማስክ ኣብ ቲዊተር ኣብ ዝፀሓፎ መልእኽቲ "ዘየድለዩ መልእኽትታትን ናይ ሓሶት መንነታትን ብዝምልከት ትሕቲ ሓሙሽተ ሚእታዊት ተጠቀምቲ ክኾኑ ንዝቐረበ ዝርዝር ብምድጋፍ እቲ ናይ ቲዊተር ውዕል ብግዚያዊነት ተታሒዙ ኣሎ" ኢሉ።

ብፅሒት ኣብ ቅድመ ዕድጊ ዋጋ ናይቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ድማ ብ20% ወሪዱ ኣሎ።ትዊተር ብዛዕባ'ዚ ተሓቲት ምላሽ ኣይሃበን።

ሓደ ካብ ሰብ ሃብቲ ዓለምን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባኒያ ተስላን ዝኾነ ኢላን ማስክ ሓደ ቀዳምነት ካብ ዝህቦም ጉዳያት ስፓም ምውጋድ ምዃኑ ገሊፁ እዩ።

XS
SM
MD
LG