ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ:ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ደው ከብሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ


ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብምኽንያት ዘጋጠሞ ዋሕዲ ገንዘብ ኣብ ኡጋንዳ ንልዕሊ ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ስደተኛታት ዝዕድሎ ዝነበረ ረድኤት መግቢ ክቋርፅ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ እዩ ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኡጋንዳ ንስደተኛታት ይዕድሎ ዝነበረ ረዲኤት መግቢ ከባቢ 96 ሚልየን ዶላር ሕፅረት ከምዘጋጠሞ ይግለጽ ። ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶምሶን ፊሪ ዓለምለኸ ለገስቲ ሃገራት ዝያዳ ተገዲሶም ዝልግስዎ ገንዘብ እንተድአ ቀልጢፎም ክሕግዙ ክኢሎም ኣብ ኡጋንዳ ንጥምየት ዝቃላዕ ስደተኛ ኣይክህሉን እንተዘይኮይኑ ግና 1.26 ሚልየን ስደተኛታት ወርሓዊ ዝወሃቦም ሓገዝ ገንዘብ ኮነ መግቢ ብ40 % ክጎድል ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ድማ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ምዃኑ እቲ ውድብ የጠንቅቕ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG