ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ ዘሕለፈቶ ምዝገባ ኦንላይን ትሕዝቶ ንናይ ምዝራብ ናጽነት ዝዕፍን ከይከውን የስግእ


ኡጋንዳ ዘይሞራላዊ ወይ ጽልኢ ዝሰብኩ ናይ ኦንላይን ትሕዝቶ ንምድራት ትሰርሕ ከምዘላ ተፈሊጡ።ነቐፍቲ ግን ተቓውሞ ንምዕፋን ዝዓለመ እዩ ክብሉ ነቲ ስጉምቲ ይነቕፉ።

ካብ መጋቢት 2018 ጀሚሩ መንግስታዊ መሓውር ኮሚሽን ኮሚኒኬሽን ኡጋንዳ ትሕዝቶታት ኣብ ኦንላይን ዘውፅኡ ገሊኦም ፀሓፍቲ ተመዝጊቦም ኣብ ዓመት 20 ዶላር ክኸፍሉ ኣዚዙ’ሎ።

መንግስቲ ነቲ ሕጊ ብምስፋሕ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ማዕኸናት ዜናን ጋዜጠኛታት፣ፍሉጣት ሰባት፣ሙዚቀኛታትን ኣትሌታትን ሓዊሱ ብዙሕ ስዓብቲ ዘለዎም ፀለውቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን ዝትንክፍ እዩ።

እቲ ስጉምቲ ይውሰድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣክቲቪስት ስቴላ ኒያንዚ ብዛዕባ ዝዓረፋ ወላዲት ኣደ ናይ ኡጋንዳ ፕረዚዳንት ዩወሪ ሙሶቮኒ ብዕሉግ ግጥሚ ድሕሪ ምፅሓፋን ናይ 18 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ምፍራዳን ስዒቡ እዩ።

XS
SM
MD
LG