ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ: ክታበት ቫይረስኮሮና ዝነጽጉ ሰባት ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ተታኣታትው


ኢንድጃ -ኡጋንዳ
ኢንድጃ -ኡጋንዳ

ኣብ ኡጋንዳ ተሓለቅቲ መሰላት ክታበት ኮቪድ19 ኣይንወስድን ዝበሉ ሰባት ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ክእሰሩ ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ይቓወሙ።

ሚንስትሪ ንግዲን ውሽጢ ሃገርን ዝሓለፈ ሰሙን ብመሰረት ዘተኣታተዎ ሕጊ፣ ለበዳ ኮቪድ19 ንምቁጽጻር ንዝግበር ጻዕሪ ዓንቃፊ ዝኾነ ኣካል፣ ክእሰር ወይ ብገንዘብ ክቅጻዕ ከምዝኽእል ሓቢሩ ኣሎ። እንተኾነ፣ እቲ ሕጊ ንኮቪድ19 ኣይጠቅስን።

እቲ ሕጊ "ንተላጋቢ ሕማም ዝኸወለ ዝኾነ ሰብ፣ ክሳብ 850 ዶላር ክቅጻዕ እዩ፣ ወይካኣ ክሳብ ሓደ ዓመት ክእሰር እዩ" ይብል።

XS
SM
MD
LG