ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዳማ፡ፖሊስ ዘይሕጋዊ’ዮም ንዝበሎም አባይቲ ምፍራስ ኣብ ዝተንቀሳቀሰሉ ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ሰባት ተጎዲኦም


ከተማ አዳማ

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዳማ ፖሊስ ዘይሕጋዊ ንዝበሎ ህንፀት ኣባይቲ ንምፍራስ ኣብዝተንቀሳቐሰሉ ብዝተለዓለ ግጭት እንተወሓደ ክልተ ሰባት ጉድኣት ከምዝወረዶም ተፈሊጡ።

ነበርቲ’ቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተሃንጹ’ዮም ዝተባህሉ ኣባይቲ ገዛውቲ ክንሃንጽ ኸለና ዘዘራረበና ሰብ የለን ይብሉ።ሓንቲ ካብኦም ከምዚ ትብል።

“ዋላ ሓደ ሰብ ዘዘራረበና የለን።ቅድሚ ሎሚ ሰሪሕና ምስወዳእና ኣፍሪሶምዎ፤መሊስና ሃኒፅና ኸአ ኣቲና።”

ብደለልትን ዘይሕጋዊያን ይካየድ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ህንፀት ኣባይቲ ደው ንምባል ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣብ መንጎ ኣባላት ፀጥታን ነበርትን ግጭት ምልዓሉ ሓላፊ ምምሕዳርን ፀጥታን ከተማ ኣዳማ ኣቶ ለማ ሃይለ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG