ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ፡እንታይነቱ ዘይፍለጥ ነገር ምስ መዓር፣ጠስምን ሜስን ሓዋዊሶም ሸይጦም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 72 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም


ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ እንታይነቱ ዘይፍለጥ ነገር ምስ መዓር፣ጠስምን ሜስን ሓዋዊሶም ሸይጦም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 72 ሰባት 25 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ።

በዓልስልጣን ምቁጽጻር መግብን መድሓኒትን ብዝበፅሖ ሓበሬታ ነቲ ገበን ክከታተሎ ድሕሪ ምፅናሕ ዝሓለፈ ዓርቢ ብምትሕብባር ፌደራል ፖሊስ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኣቶ ጄይላን ኣብዲ ገሊፆም።

ልዕሊ 600 ኵንታል መዓር፣ንሜስ ዝተዳለወ 10 በርሜል መዓር፣ሓደ ደርዘን ፃዕዳ ቀለም፣ርብዒ ኩንታል ጨው፣ጨው ዝመስል ዘይፍለጥ ነገርን 45 ኪሎ ግራም ሽኮርን ተታሒዙ’ሎ።ካብዚ ብተወሳኺ 114 ኩንታልን ኣርባዕተ ካርቶን ጠስሚን ካልኦት ነገራት ከምዝተሓዙን ንናይ ላብራቶሪ ምርመራ ከምዝተላኹን ኣቶ ጄላን ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG