ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ: ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንዘይውሑስ ኩነታት መዓስከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ዝቃወም ሰልፊ አካይዶም


ሰልፊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ንዘይውሑስ ኩነታት መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ
ሰልፊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ንዘይውሑስ ኩነታት መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ተቐርቂሮም ዘለዉ ብጾቶም ቦታ ክቕይሮም ንምጽዋዕ ዝሓትት ሰለማዊ ሰልፊ አካይዶም::።

ኣብ ከባቢ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሪሽን ዕጥቃዊ ግጭታት ይካየድ ኣሎ: ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ድማ ክልተ ስደተኛታት ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ`ሎ። ከምኡ ድማ ካብ ሓምለ 14 ጀሚሩ ናብቲ ካምፕታት ምእታው ከም ዘይክኣለ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣመሪካ ብዛዕባ ኩነታት`ቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓሚቕ ከምዘተሓሳስባ ብሰሉስ ገሊጻ ኔራ`ያ።

ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፈ ሄርሞን ሃይሉ፡ እቲ መዓስከራት ዞባ ኩናት ስለዝኾነ፡ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዞም ኣለዎ ክብል ሓቲቱ`ሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 100 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብተን ክልተ ካምፕታት ከምዘግዓዘ ብምሕባር፡ ነቶም ካልኦት`ውን ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዝ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ይዘራረብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ሎሚ ሓሙስ ግን ርእይቶ ክህብ ብሮይተርስ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን::

XS
SM
MD
LG