ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ: ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ 5 አባላት ህውሓት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


‘ንድሕነት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቆም፣ መንግስታዊ ሚስጢር ንናይ ወጻኢ ጉጅለ ራዕዲ ኣሕሊፎም ሂቦም፣ ዕግርግርን ህውከትን ንክላዓል ገይሮምን ብዝብል ክሲ ተጠርጢሮም ኣብ ቐይዲ ዝኣተው አባላት ኣመራርሓ ዝርከዎም ሓሙሽተ አባላት ህውሓት ሎሚ ሰሉስ አብ ቤት ፍርዲ አዲስ አበባ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ፣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ጨንፈር አዲስ አበባ ኣቶ ተወልደ ገብረጻዲቅ፣ ዳይረክተር ሕጊን ፍትሒን ኣቶ ተስፋኣለም ይሕደጎ፣ ሓላፊ ቢሮ ድሕነት ጨንፈር ኣቃቂን ቃሊቲን ኣቶ አጽባሃ አለማየሁን ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት እዮም።

ፖሊስ፣ ንናይታ ሃገር ሕገ መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ሽብር ተሓባቢሮም ሰሪሖም ተባሂሎም ንዝጠርጠሮም መርመራ ይገብረሎም ከምዘሎ ጠቂሱ: ተወሳኺ 14 መዓልታት ንክፍቀደሉ ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ጠበቃታት እቶም ተጠርጠርቲ ግና ‘ዓማዊሎም እንደገና ተታሒዞም ምቅራቦም ግቡእ ኣይኮነን፣ ተወሳኺ ጊዜ ንፖሊስ ክፍቀድ የብሉን፣ ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ኣለዎም’ ዝብል ተቃውሞ ኣቅሪቦም።

ቤት ፍርዲ ድሕሪ ዝቀረበሉ ሙግት፣ ትእዛዝ ንምሃብ ንድሕሪ 6 መዓልታት ቆጸራ ሂቡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG