ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ፡ ላፍቶ ክፍለ ከተማ 2 ሽሕ አባይቲ ብሓይሊ ምፍራሶም መኢኣድ ኣፍሊጡ


መኢአድ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ አዲስ አበባ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ክፍለ ከተማ ፍሉይ ሽሙ ማንጎ ጨፌ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ልዕሊ 2 ሽሕ አባይቲ ብሓይሊ ፈሪሶም ክብል መኢኣድ ኣፍሊጡ።

መኢኣድ ምስቶም ተበዲልና ዝብሉ ሰባት ብሓባር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ተግባር አትሪሩ ኾኒኑ’ሎ።

እቲ ኣስታት 2,500 አባይቲ ፈሪስሉ ዝበሃል ዘሎ ቦታ 10 ንዘይኾኑ ሰብ ሃብቲ ይወሃብ ኣሎ ብምባል እዚ ተግባር ደው ክብል መኢኣድ ሓቲቱ’ሎ።

ኣብቲ ከባቢ ንልዕሊ 10 ዓመታት ከምዝነበሩን ገዝኦም ብተደጋጋሚ ከምዝፈረሶም ዝገለጹ ኣብቲ አብ ቤት ጽሕፈት መኢኣድ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ሓያለ ነበርቲ ንሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

ካብ ምምሕዳር አዲስ አበባ ኾነ ሰብ ስልጣን’ቲ ከባቢ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ህልው ኩነታት ሰላም ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG