ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዳጎንተ ዝተቐትልሉ ፋጻሜ ምስቲ ትካል ዝተሓሓዝ ኣይኮነን" ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ


አካያዲ ስራሕ ኩባንያ ሲሚንቶ ዳጎንቴ ኢትዮጵያ ዲና ካማራንን ክልተ ኢትዮጵያዊያን መሳርሕቶምን ዝተቀትሉ ምስቲ እቲ ኩባንያ ስራሕ ብዝተሓሓዝ አይኮነን ክብሉ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ነቶም ቀተልቲ ብምሉእ ብምሉእ ሓይሊ ንደል ኢና ክብል ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዶ/ር በላቸው መኩርያ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኣብ ኢትዮጵያ አካይዲ ስራሕ'ቲ ናይ ወጻኢ ኩባንያ ህንዳዊ ዲና ካማራንን ክልተ ኢትዮጵያዊያን መሳርሕቶም ወ/ሮ በአካል አለልኝን አቶ ጸጋየ ግደይ ዝተቀትሉ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሞዕራብ ሸዋ አብ መስመር ኣምቦ'ዩ ዝበሉ ኮሚሽነር ኢንቨርስትመንት ኢትዮጵያ ዶ/ር በላቸው መኩርያ ብሞት'ቶም አካያዲ ስራሕን መሳርሕቶም ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም።

ዶ/ር በላቸው ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ቤት ዕዮኦም ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ከምዘሎን ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ምስ ወናኒ'ቲ ትካል ብስልኪ ከምዘዘራረብዎምን ዝተሰምዖም ሓዘን ምግላጾምን ሓቢሮም።

ዳጎንቴ ብናይጀርያዊ ዝውነን ትካል ኮይኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ'ቲ ትካል ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ምዝርራቦምን ጽልዋ'ቲ ፍጻሜ ቀሊል ከምዘይኮነ ሓቢሮም።

ፋብሪካ ዳጎንቴ ስርሑ ቀጺሉ ከምዘሎን እንተኾነ እቲ ፍጻሜ ምስቲ ኩባንያ ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነ ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም።


ፋብሪካ ዳጎንቴ ብናይጀርያዊ ትካል ዝውንነ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከብ ፋብሪካ ሲሚንቶ'ዩ።

XS
SM
MD
LG