ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አካያዲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ሞይቶም ተረኺቦም


አካያዲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መኪነኦም ኣብ መስቀል አደባባይ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ንኣገልግሎት ዜና ፋና ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሬሳ እቶም ኢንጂነር ንዝያዳ ምርመራ ናብ ሆስፒታል ምውሳዱ’ውን ሮይተርስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ናይ ህዳሴ ግድብ አካያዲ ስራሕ ኮይኖም ካብ ሓምለ 2011 ከገልግሉ ዝጸንሑ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

አካያዲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ሞይቶም ተረኺቦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00

XS
SM
MD
LG