ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አካያዲ ስራሕ ትዊተር ካብ መዝነቱ ወሪዱ


ኣካያዳ ስራሕ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ነበር ጃክ ዶርስይ
ኣካያዳ ስራሕ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ነበር ጃክ ዶርስይ

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ኣብ ምስረትኡን ድሕሪ ጊዜን ዝነበረ ጃክ ዶርስይ፣ ካብ መዝነቱ ወሪዱ። ስራሕ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ኣብ ምስረትኡን ድሕሪ ጊዜን ዝነበረ ጃክ ዶርስይ፣ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ ርእይቶ "ነቲ ኩባንያ፣ ምሕዳጉ ዘሕዝንን ዘሕጉስን እዩ" ኢሉ።

ትዊተር ምስ ዝሕቱል ስራሕ ይቃለስ ምህላውን ምስ ናይ ጽልኢ ዝሓዘሉ ጽሑፋትን መግለጺታትን ካልኦት ጎዳእቲ ተግባራትን ተኣሳሲሩ ክቆጻጸሮ ኣይካኣለን ዝብል ነቀፌታ ክወርዱ ጸኒሑ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ፣ ምስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ተኣሳሲሩ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ክትዕ ተቀርቂሩ እዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ፣ ንትዊተር ከይጥቀሙ ተኸልኪሎም እዮም። ትራምፕ ሳንሱር ይገብሩኒ ኣለው ኢሎምንትዊተር፣ ፌስቡክን ዩትዩብን ከምዝኸሰሱ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG