ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አካታዒ ጉዳይ- ፖላንድ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወጽእ ድያ?


ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽንሕብረት ኣውሮጳ
ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽንሕብረት ኣውሮጳ

ሰበ ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ልዕልና ሕጊ እቲ ሕብረት ብዝምልከት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፖላንድ ነቲ መንግስቲ ዝሃቦ ውሳን እንተድኣ ዘይቐይርዎ እታ ሃገር ኣባል እቲ ሕብረት ኮይና ምቕፃላ ኣብ ሓደጋ ሙኳኑ ኣጠንቂቑ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፉ ሰሙን ንኣባልነት ሕብረት ኣውሮጳ ዝድግፉ ሰፋሕቲ ሰልፍታት ምክያዶም'ውን ይዝከር ።

ብግምት ከባቢ 100 ሽሕ ሰባት ዝተሳተፍሉ ንአባልነት ፖላንድ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝድግፉ ሰልፈኛታት ካብ ዋርሶን ካልኦት ከባብታት ፖላንድን ተኣኻኺቦም እዮም ። ካብኣቶም ሓደ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ነበርን መራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ መድርኽ ሲቪክ ዝኮነ ዶናልድ ቱስክ'ዩ ። ንሱ ነቲ ዘተኣኻኸቦም ቀንዲ ጉዳይ ክገልፅ ከሎ ብሽም ቤት ፍርዲ ልባስ ሕጊ ተኸዲኖም ሕገ መንግስቲ ጥሒሶም ብላዕለዋይ መሪሕነት መንግስቲ ፖላንድ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወፅእ ምውሳኑ ንምቅዋም ምዃኖም ይዛረብ ።

እቲ ተቃውሞ ዝተላዕለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፖላንድ ሕገመንግስቲ እታ ሀገር ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ ልዕልና ከምዘለዎ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ ። ልዕልና ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ መሰረት እቲ ሕብረት ምኳኑ ዝፍለጥ እዩ በዚ ድማ ሰበስልጣናት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ፖላንድ ማዕቀብ ከንብሩ ከምዝኽእሉ ኮምሽነር ፍትሒ ሕብረት ኣውሮጳ ዲድየር ሬነርስ ኣጠንቂቆም ።

“ንሕና ቤትፍርዲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፖላንድ ዘሎ ጉዳይ ዝህቦ ውሳነ ኢና ንፅበ ዘለና ፤ ካብኡ ግን ንመዓልታዊ ክልከላ ገንዘብ ዝሓወሰ ማዕቀብ ክስዕብ ይኽእል እዩ ።”

እቲ ኽልከላ መዓልታዊ ስጋብ ሓደ ሚልየን ዶላር ዝበፅሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ። እዚ ንጉዳይ ሕጊ ዝምልከት ውሳነ ፈለማ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ማቴዉሽ ሞራቪያጽኪ ዝተበገሰ እዩ ። ንፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ፖላንድ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፍትሒ ዝጥምት ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንዝተዋህብዎ ክልተ ውሳነታት ከተግብር ፍቃቓደኛ ብዘይ ምዃኑ እዩ ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዘይቅ፟በልዎ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ፌስ ቡክ “ፖላንድ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ናይምውፃእ ድልየት የብላን እዚ ሓሳብ “ጎዳኢ አባሃህላ እዩ “ ክብሉ ፅሒፎም::

ደገፍቲ መንግስቲ እውን ሰልፊ ዝወፁ ኾይኖም መንግስቶም ንተግባር ሕብረት ኣውሮጳ ምቅዋሙ ትኽክል እዩ ኢሎም ይኣምኑ ። ዚግሙንት ማርኒክ ዝተባህለ ፖላንዳዊ ከምዚ ይብል ።

“ግቡእነት መሰል አብ ዘይብሎም ተግባራት ግቡኦም ክኸውን ይደልዩ ከምድላዮም ጣልቃ ንኽኣትዉ ክጥዕሞም ምእንታን::”

ፖላንድ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ናይምውፃእ ዕድላ ኣዝዩ ዝዓበየ ምኻኑ ዝዛረብ ኣባል ርክብ ጉዳvት ወፃኢ ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ፒዮተር ቡራዥ ልዕሊ 80% ህዝባ ካብ ኣባል እቲ ሕብረት ከይትወፅእ አቃወም እዩ ። ፖላንድ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንመከሓሓሲ ኮቪድ ተባሂሉ ዝተወሰነላ 66 ቢልየን ዶላር ሓገዝ ሓዊሱ ውሽጣዊ ዕዳጋኣን ኣብ ገንዘባዊ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተሞርከሰት እያ ። ብምኻኑ እንተድኣ ነቲ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ከተትግብሮም ዝተወሰኑ ነገራት ዘይትትግብር ኮይና ከም መጠንቀቅ፟ታ ሕብረት ኣውሮጳ ገንዘባዊ እቶታ ክቋረፅ ይከእል እዩ ።

ንፖላንድ ሃንጋሪን ሓወሱ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ልዕልና ሕጊ፣ ናፅነት ሚድያን ምኽባር መሰል ውሁዳን ብተደጋጋሚ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ተጓኒፀን እየን ።

ፒዮተር ቡራዥ “ ሐጂ ገጢሙና ዘሎ ቃልሲ ውልቀመለክቲ መንግስታት ደረጃ ምዕባለን ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳን ብምስትንዓቅ፟ ሰረት እቲ ሕብረት ክሽርሽሩ ዝደልዩ ሓይልታት እዩም ከምዚ ክገብር ዘገ ድ ድዎ ዘለዉ” ይብሉ ።

ሰበ ስልጣናት ሕብረት ኣውሮጳ ቀንዲ ሰረታት እቲ ማሕበር ብመንግስቲ ፖላንድ ክድፈሩ ጀሚሮም ኣለዉ ኣባል ሃገራት ኣብ ጎኒ እቶም ቀንዲ መሰረታት መምርሒ እቲ ሕብረት ጠጠው ክብላ ይግባእ እንተዘይ ኮይኑ ግን ሓደግኡ ዝኸፋአ ክከውን ይኸእል እዩ ክብሉ ኣጠንቂቆ፟ም ።

XS
SM
MD
LG