ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አከባብራ ዒድ ኣል መውሊድ ኣልነቢ ኣብ ኤርትራ


ዒድ መውሊድ ኣልነቢ ሎሚ 20 ሕዳር 2018 ኣብ ኤርትራ ብምዕሩግ ኣገባብ ተኸቢሩ።ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ መስጊድ ጃምዕ ኣልከለፋ ኣልራሽዲን ዝተኻየደን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማት፡መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ምእመናን እስልምናን ዝተረኽብሉ ስነ-ስርዓት፡ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም፡ዕርቅን ምሕዝነትን ድሕሪ ምኽታማን ኣብ ድሮ ንልዕሊ 9 ዓመታት ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ ይኽበር ብምሕላዉ ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ ኣል መውሊድ ንሓጎስ ህዝቢ ዘበርኽ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ብተመሳሳሊ ዒድ መውሊድ ኣልነቢ ኣብ ኢትዮጵያ ብክብ ዝበለ ድምቐት ተኸቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

አከባብራ ዒድ ኣል መውሊድ ኣልነቢ ኣብ ኤርትራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:21 0:00

XS
SM
MD
LG