ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አቦ መንበር ደኢህዴግ አቶ ሽፈራው ሽጉጤ ካብ መዝነቶም ብፍቓዶም ለቒቆም


ኣቦ መንበር ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንስቅስቓስ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ መዝነቶም ወሪዶም። ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሙፍሪያት ካሚል ኣደ መንበር ብምዃን ተመሪፀን ክብሉ ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣፍሊጦም።

ካብ መዝነት ኣቦ መንበርን ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግን ንምልቃቕ ናብ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐባልነት ምርካቡን ዝገለፁ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ንዘሎ ለውጢ ከምዝድግፉ ሓቢሮም።ነቲ ለውጢ ዝመርሕ ሓድሽ መሪሕነት ናብ ቕድሚት ከምፅእ ድልየት ኣባላትን መናእሰይን ምኽባር ኣገዳሲ እዩ እውን ኢሎም።

“ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ናይቲ ክልል ኣዚዩ ሕማቕን ዘሕዝንን ግጭታት ተኸሲቱ እዩ።ነዚ መርገፂ ክሕዝ ዝደረኸኒ ቀንዲ ምኽንያት እውን እዚ እዩ።ኣብዞም ከባቢታት ዝተለዓሉ ግጭታት ካብ ምምሕዳራዊ መሓውር ብዝዘለለ ንዘላቒ ርክብ ህዝብታት ዝጎድእ ብምዃኑ ኣነ ዝመርሖ ውድብ ኣብ ዘመሓድሮ ክልል ከምዚ ዝበለ ኩነታት ተፈጢሩ እናሃለው ኣብ ስልጣን ምቕፃል ግቡእ መሲሉ ኣይተሰመዐንን።ነዚ ክብል ስልጣን ንምልቃቕ ወሲነ ኣለኹ።”

ሚንስትር ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ቀዳማይ ሚንስትር ዝነበሩ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ካብ መንግስታውን ውድባውን ስልጣኖም ምስለቐቑ ዝተተክኡ መራሒ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማእኸላይ ኮሚቴ ደኢህዴግን ሎሚ ኣብዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ንወ/ሮ ሙፍሪያት ካሚል ኣደ መንበር ገይሩ ሓሪዩወን።ንሰን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃኑ ኣብ ምስራሕ ይርከባ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ ኣብ ደቡብ ክልል ዝተፈላለያ ከተማታት ብዝተፈጥረ ህውከት ሰባት ምሟቶምን ምቑሳሎም ከምኡ እውን ንብረት ምዕናውን ድሕሪ ምውራዱ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ወረዳታትን ግጭት ናይ ዝነበረን ከባቢታት ስልጣኖም ብፍቓዶም ክለቁ ሓቲቶም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

አቦ መንበር ደኢህዴግ አቶ ሽፈራው ሽጉጤ ካብ መዝነቶም ብፍቓዶም ለቒቆም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:06 0:00

XS
SM
MD
LG