ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ውግእ ደው ንክብል ጸዊዖም 


አቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ይጓሃሃር ብዛዕባ ዘሎ ወታሃደራዊ ረጽሚ ብዘለዎም ሻቅሎት’ ገሊጾም።

እቶም ኣቦ መንበር ኣብ መግለጺኦም ‘ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት፣ ግዝኣት፣ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ከምዝግደሱን፣ ህድኣት ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ክረጋገጽ' ጸዊዖም።

ብመንጽር’ዚ ይብሉ ንሶም ‘ውግእ ብህጹጽ ደው ክብል፣ ኩሎም ወገናት ንምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላትን ድሕነት ሰላማዊያን ሰባትን ክሰርሑን’ ጸዊዖም። ኩሎም ወገናት ስለ ረብሓ’ታ ሃገር ኢሎም ‘ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ንክኣትው’ውን’ ተማሕጺኖም።

ንሰላምን ህድኣትን ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጎድኒ ‘ኢትዮጵያዊያን ዘካይድዎ ልዝባት’ ከምዝኾን እውን አረጋጊጾም።

XS
SM
MD
LG