ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 አብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ሙሰቨኒ ይመርሑ አለው


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ እቲ ትማሊ ዝተካየደ ፕረዚደንታዊን ፓርላሜንታዊን መረጻ፣ ቆጸራ ድምጺ ተጀሚሩ'ሎ።

ኣብ’ቲ ዛጊድ ዝተቆጸረ ድምጺ፣ ሙሰቨኒ ኣብ መባእታዊ ውጽኢት ይመርሑ ከምዘለው ምንጪታት ፓርላማ ኡጋንዳ ጠቂሶም። መወዳድርቶም ባቢ ዋይን ግና ሰፊሕ ጉድለት ተፈጺሙ ኣሎ ብምባል ደገፍቱ ናይ ምቅዋም መሰል ኣለዎም ኢሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሲቪካዊ ማሕበረሰባት፣ ኣብ ሓደ ሆቴል ካልእ ማእከል ቆጸራ ወዲቦም ኣለው ንዝተባሃለሉ ስፍራ ብፖሊስ ከምዝተወረረ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ኣብ መዓልቲ መረጻ፣ ማሕበራዊ ሚድያታት ስለዝተዓጸው ካልእ ጸገም ዝተኸሰተሉ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ።

76 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ ኣንጻር 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣባል ፓርላማ ሮበርት ያጉልያኒ ወይካኣ ባቢ ዋይን እዮም ተወዳዲሮም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፣ ተዓዘብቲ ናብ ነቁጣታት መረጻ ንክኣትው ዘይምፍቃዶም ንተሓለቅቲ ዴሞክራሲ ኣሻቂልዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG