ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ከተማ አዲስ አበባ ንሰራዊት ምክልኻል'ታ ሃገር ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ


አብ ከተማ አዲስ አበባ ንሰራዊት ምክልኻል'ታ ሃገር ዝድግፍ ሰልፊ
አብ ከተማ አዲስ አበባ ንሰራዊት ምክልኻል'ታ ሃገር ዝድግፍ ሰልፊ

ኣብ ኣዲስ አበባ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊ ትማሊ ሰንበት ነሓሰ 8,2021 ከምዝተካየደ ተፈሊጡ። ኣብ’ቲ ነበርቲ ወረዳታት ፊንፊኔ ኦሮምያ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝተሳተፍሉ ሰልፊ "ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ይፍጸም ዘሎ ኢፍትሓዊ ጣልቃ ምትእትታው" ንዝበልዎ ንምቅዋም ከምዝኾነ ምክትል ከንቲባ’ታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ተዛሪበን።

ኣብ’ቲ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ንምድጋፍን ንህወሓት ንምቅዋምን ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ሰልፊ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ህዝቢ ከምዝተሳተፈ እቲ ዜና ይገልጽ።

ኣብ’ቲ ሰልፊ መደረ ዘስማዓ ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ "ኢትዮጵያ ንሰላም ቀዳምነት ትህብ" ኢለን።

"ኢትዮጵያ ንዘማሓድራ መንግስቲ መሪጻ እያ" ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ "ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተወገደ ኣካል፣ ናብ ስልጣን ንክምለስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ይሰርሑ አለው" ብምባል ነቂፈን።

እተን ምክትል ከንቲባ "ንዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዚ ክንብሎም ንደሊ፣ ኢትዮጵያዊያን ተቃሊሶም ንዘውደቅዎ ጉጅለ ሽብራ ካብ ዝሞተሉ ንምትንሳእ ዝግበር ጻዕሪ ንቃወም ኢና። ቀይሕ መስመርና ኣይትሕለፉ ንብሎም" ኢለን ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ አብዲሳ ብወገኖም "ህወሓት ከፋፊሉ ንኢትዮጵያዊያን ክጻዓኖም ኣይኽእልን" ኢሎም::

"ህወሓት ብከፋፊልካ ምግዛእ ክእለቱ ንኢትዮጵያዊያን ክጻዓኖም ኣይኽእልን። ደጊሙ ንኢትዮጵያዊያን ትሕት ኣየብልን። ንኢትዮጵያ ኣየምበርክኽን። ክንቃለስ ኢና። ኣድላዪ ዘበለ መስዋእትነት ክንከፍል ኢና" ኢሎም ።

ኣብ’ቲ ሰልፊ ሰልፊ ብሽም ተጠቂሶም ዝተወቀሱ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ኣይነበሩን።

ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ መገሻ ዝፈጸማ ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግ ጋዝ ኣመሪካ(USAID) ሳማንታ ፓወር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብመንጽር ዘሎ ውግእ ኣመሪካ ጸግዒ ከምዘይትሕዝ ምግላጸን ዝዝከር እዩ። ሳማንታ ፓወር ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ "ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎና ጽምዶ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንክምስረት ድልየትና ምዃኑ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ክርደአልና ንደሊ ኢና" ኢለን ነይረን።

መራሕቲ ህወሓት ድማ "ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለው፣ መሰሎም ብቃልሶም ንክረጋገጽ ከምዝኾነ፣ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ፣ ንክልል ትግራይ ስግኣት ምኳኖም ንከብቅዕ ዘኽእል ስራሕ ምፍጻምና ክንቅጽል ኢና" ኢሎም ደጋጊሞም ተዛሪቦም እዮም።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንህወሓት ጉጅለ ራዕዲ ኢሉ ከምዝሰመዮ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG