አዲስ አበባ —
ኣብ ኣዲስ አበባ ቦሌ ቡልቡላ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ትማሊ ምሸት ነታጒ ከምዝተተኮሰ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም።
ፖሊስ ኮሚሽን ከተማ አዲስ አበባ እውን ነዚ ኣረጋጊፁ’ሎ።
እቲ ነታጒ ዝተተኮሰ ምሸት ከምዝኾነ ዝገለጹ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣብ ቦሌ ቡልቡላ ዝተባህለ ቦታ ከባቢ ፊት ንፊት አለም ካፌ ምኳኑን ዓብይ ስንባደ ፈጢሩ ምንባሩን ሓቢሮም።
ሓደ ካብቶም ናይ ዓይኒ መሰካኽር ናይ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ናይ መንእሰያት ሊግ ኣመራርሓ አቶ አዲሱ ቡላላ በቲ ከባቢ ይሓልፉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ነታጒ ምትኳሱ ይገልጽ።