ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባገዳን ናይ ቴክኒክ ኮሚቴን ናብ መሰልጠኒ ማእከል ዝኣተው አባላት ኦነግ ተዘራሪቦም


ፋይል - ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ሰራዊት ኦነግ
ፋይል - ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ሰራዊት ኦነግ

ኣባ ገዳን ናይ ቴክኒክ ኮሚቴን ንስልጠና ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ምስ ዝኣተው ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/ ምዝርራቦም ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ንዝቐረቡ ሕቶታት ብምምላስ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾኑ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ንምቕራብ ምስምምዖም ገሊፆም።

ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ዝኣተው ዕጡቓት ኦነግ ዝተኣተውሎም ኩሎም መፅብዓታት ከምዘይተፈፀሙ ይገልፁ።ሰንጢ ብዝምል ሳጓ ዝፅዋዕ ኣባል ኦነግ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣባላት ኮሚቴ ቴክኒክ ምዝርራቡ ይገልፅ።

“ንኣስታት ሰለስተ ሰሙናት ኢና ፀኒሕና።ስልጠና እውን ኣይጀመርናን።ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣባ ገዳታትን ናይ ቴክኒክ ኮሚቴን መፂኦም ናብ ውሽጢ ብዘይ ምእታዎምን ሓዊስካ ቅር ኢሉና እዩ።”

ኣብቲ ዝርርብ ዝተልዓሉ ነጥብታት ድሕሪ ስልጠና መፃኢ ዕጫ ዕጡቓት ኦነግ እንታይ እዩ? ሕጂ እውን ሰባት ብሽም ኦነግ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይእሰሩ ኣለው ዝብሉን ካልኦት ምዃኖም ሰንጢ ገሊፁ።

ዝተልዓሉ መብዛሕቲኦም ሕቶታት ንመንግስቲ ዝምልከቱ ብምዃኖም ንላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሕቶታት ሒዞም ምምላሶም ኣባል ኮሚቴ ቴክኒክ ዝኾኑ ኣቶ ሞገስ ኢዳኤ ገሊፆም።እቲ ናይ ቴኪኒክ ኮሚቴ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ምሃቡ እውን ገሊፆም።

“ኣብ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን መንግስቲ እዮም ስልጠና ዝውሃቦም ዘሎ።እቲ ስልጠና ዝወስዶ ግዜ ብዝቐርብ ዓይነት ስልጠናን ናይ ሰልጠንቲ ናይ ምቕባል ዓቕሚን ከምዝውሰን ኢና ገሊፅናሎም።ብዛዕባ ኩነታት እቲ ክልል፣ልዕልነት ሕጊን ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ስራሕን ኣልዕሊሎም ድሕሪ እቲ ስልጠና መንግስቲ ብትልሚ ሕቶታቶም ከምዝምለሰሎምን ኢና ሓበሬታ ሂብናዮም።”

ኣብቲ ኮሚቴ ኣባል ኦነግ ዝኾኑ ኣቶ ኬነሳ ኣያና ኦነግ ነቶም ዕጡቓት ብመልክዕ ሕድሪ ንህዝቢ ኦሮሞን ኣባ ገዳን ካብ ዘረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ዘለዎም ሕቶ ብኣባ ገዳ ኣቢሎም እምበር ብቐጥታ ከቕርቡ ኣይክእሉም’ዮም ኢሎም ።

ዕጡቓት ኦነግ ምስቲ ኮሚቴ ድሕሪ ምዝርራቦም ዝሓለፈ ሶኑይ ስልጠና ምጅማሮም ናይቶም ዕጡቓት ኣባል ሰንጢ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG