ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ሶማል ብዘጋጠመ ሃንደበት ተዅሲ ተቐቲለን


ከተማ ጂጂጋ
ከተማ ጂጂጋ

ትማሊ ሰሉስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጅጅጋ ብዝተኸፍተ ሃንደበታዊ ተኹሲ፡ ኣባል ቤት ምኽሪን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልጽግናን ጀዋርያ መሓመድ ኢብራሂም ከም ዝተቐተለት ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ሶማሌ ኣፍሊጡ።

ንሳ ብሓደ ኣባል ፈደራል ፖሊስ ከምዝተቐተለት ንድምጺ ኣመሪካ ዝሓበረ ኣቶ ዓብደልቃድር ረሺድ፡ኣርባዕተ ካልኦት ሰባት`ውን በቲ ተኹሲ ከምዝቆሰሉ ተሓቢሩ`ሎ።

ተጠርጣሪ ኣብ ቐይዲ ከምዝወዓለን መበገሲ`ቲ ተኹሲ`ውን ይጻረ ከምዘሎ`ውን ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG