ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ኣበርክቶ ኒፕሲ ሃስል ኣብ መዝገብ ባይቶ ኣሜሪካ ከምዝሰፍር ጌረን


ካብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ዝተወከላ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ፡ ንኣበርክቶን ስርሓትን ኒፕሲ ሃስል ኣብ መዝገብ ባይቶ ኣሜሪካ ከምዝሰፍር ጌረን።

ንሰን ሽምን ኣበርክቶን ህቡብ ሙዚቀኛ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኤርምያስ ኣስገዶም (ኒፕሲ ሃስል) ኣብ መዝገብ ባይቶ ኣሜሪካ ክምዝገብ ዝገበራ፡ ንማሕበረሰብ ደቡባዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዘበርከቶ ስርሓት ነባሪ ክብሪ ንምሃብ ምዃኑ ገሊጸን።

ካረን ባስ ንሽምን ኣበርክቶን ኒፕሲ ሃስል ኣብ መዝገብ ባይቶ ተመዝጊቡ ክነብር ድሕሪ ዘቕረብኦ ሕቶ ኣብቲ ሎሚ ዝተጋብኣ ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ውሳነ ክሓልፍ ክኢሉ’ሎ።

“ትሑትን በዓል ራእይን ኒፕሲ ሃስል ነቲ ዝዓበየሉ ማህበረሰብ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክብ ንምባል ብኹሉ መዳያት ስርሓቱ ዓብይ ጻዕሪ የካይድ ኔሩ።”

“ንኹሉ ዝረኸቦ መሊሱ ዝህብ ዝነበረ’ዩ። እዚ ውርሻ’ዚ ድማ ንደቡባዊ ሎስ ኣንጀለስ ብነባርነት ዝቕይር ስራሕ’ዩ። ነበርቲ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ ድማ ሓላዊ ማሕበረሰቡን፡ንብዙሓት ዘተባብዕ ኣቦን፡ ሓውን ብምዃኑ ክዝክርዎ`ዮም”ኢለን።

መዝገብ ባይቶ(ኮንግረሽናል ሪኮርድስ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣሜሪካውያን ዝወሃብ ኣፍልጦ’ዩ- ታሪኽ ኣሜሪካ ኮይኑ ድማ ንወለዶታት ይቕጽል።

XS
SM
MD
LG