ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ፓርላማ ሶማል ኣፈ ጉባኤ መሪጾም


ሓድሽ ዝተመረጺ ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ሶማል ኣደን ኑር ማዲቦ

አባላት ፓርላማ ሶማል ሎሚ ረቡዕ ድሕሪ ብዙሕ ውድድር ኣፈ ጉባኤ መሪጾም ኣለው። ዝቕጽል አቓልቦ'ቲ ፓርላማ ድማ ምምራጽ ፕረዚደንት ክኸውን'ዩ።እቲ መስርሕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘሕልፈ ክኸውን ከሎ ሕጂ እውን መስርሕ ምምራፅ ፕረዚደንት ብዙሓት ሰሙናት ክወስድ እዩ።

ኣደን ኑር ማዶቤ ካብ ተመሳሳሊ ሓላፍነቶም ኣብ 2010 ምስ ተባረሩ ሎሚ ኣፈ ጉባኤ ኮይኖም ተመሪፆም ኣለው። ብፕረዚደንት ፎርማጆ ይድገፉ ንዝነበሩ ሓሳን ኣብዲ ኑር ብምስዓሮም ተቓወምቲ ምምራጽ እቶም ኣፈ ጉባኤ ከም ዓወት ርእዮምዎ ኣለው።

ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ሶማል ኣብቶ ዝቕፅሉ ሰሙናት ፕረዚደንት ክመርፁ እዮም። ክኢላታት ግን እቲ መንገዲ ቀሊል ኣይኸውንን ይብሉ ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG