ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ጸጥታ ንማእሰርቲ ሓላፊ ስለያን ጸጥታን ነበር ብምክልካሎም ኣብ ህዝቢ'ታ ሃገር ስክፍታ ምፍጣሩ ይግለጽ'ሎ


ዓቐብቲ ሕጊ ሱዳን ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ሱዳን ካብ መዝነቱ ክሰናበት ጸዊዖም፥ ዓቐብቲ ሕጊ ነዚ ጻውዒት ዘቕረቡ አባላት ጸጥታ ንሓላፊ ጸጥታ ነበር ሳልሕ ዓብደላ ክኣስሩ ንዝመጹ ፖሊስ ድሕሪ ምክልካሎም'ዩ።


እዚ ጉዳይ ኣብ ህዝቢ'ታ ሃገር ሕቶ ዘልዓለ ክኸውን ከሎ ተንተንቲን ተቓወምትን ድማ ዝፈጠረሎም ስክፍታ ይገልጹ ኣለው።


ብሳልሕ ጎሽ ዝፍለጥ ሳልሕ ዓብደላ ኣዛዚ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኮይኖም ክሰርሑ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ምልዓል ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ምልቃቆም ይፍለጥ።


ቤት ጽሕፈት ዓቓቢ ሕጊ ሱዳን ሳልሕ ጎሽ ዝውንኖ ናይ ባንክ ሒሳብ 1 ሚልዮን ዶላር ብዝተረኽቦ መሰረት ንሕቶ ፖሊስ ክወስዶ ናብ መንበሪኡ ኣብ ዝኸደሉ አዋን አባላት ጸጥታ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣይተወሃበናን ብዝብል ከምዝከልከሉ ተፈሊጡ'ሎ።


ተቓወምቲ በዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ ዝተሰምዖም ስክፍታ ብምግላጽ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ዘካይድዎ ዘለዎ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ቀጺሎሞ ኣለው።

XS
SM
MD
LG