ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ


ብሚንስተር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብዙነሽ መሰረት ዝተመርሐን ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሎሚ 16 ታሕሳስ 2019 ኣጋ ምሸት ኣስመራ ኣትዩ`ሎ።

እቲ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ረድዋን ሑሴን፡ ላዕለዎት ሰበ ሰልጣን መንግስቲ ኤርትራን ገዳይምን መንእሰያትን ስነ-ጥበበኛታትን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም ኣለዉ።


ልዕሊ 50 ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ ሎሚ ዝኣተወት ክትከውን ከላ ካልእ ከባቢ 15 ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ ባህሊ ድማ ዝመጽእ ሰሙን ከምትኣትው ተፈሊጡ’ሎ።

ጉጂለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ከረን ምጽዋዕን ኣስመራን ባህላውን ዘመናውን ሙዚቃዊ መሰናድኦታት ከምዘቕርብ ተሓቢሩ`ሎ።

ቅድሚ ሎሚ ናይ ኤርትራ ጉጅለ ባህሊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፡ ባህርዳር፡ ኣዳማን ሃዋሳን ምርኢታት ከምዘቕረበት ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG