ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ምቁራጽ ተጻብኦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዚያዊ'ዩ ይብሉ


ሰራዊት ህወሓት ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ንመቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝጸንሓ ውግእ ስዒቡ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ተግቢረ ኣለኹ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ግና "እቲ ኣዋጅ ምቁራጽ ተኹሲ ጊዚያዊ እዩ፣ ኣብ’ቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንዘንጸላለወ ሓደጋ ጥምየት ንምክልኻል ሓጋዚ ኣይኮነን" ኢሎም የጠንቅቁ ኣለው።

ኣብ መንጎ ወትሃደራት ኢትዮጵያን ሰራዊት ህወሓትን ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝጸንሓ ውግእ ንከብቅዕ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝኣወጀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዊጁ እዩ። ታሕጓስ ኣብ ጎደናታት መቀለ ተራእዮም እዮም።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ግና ‘ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ጊዚያዊ እዩ" በሃልቲ እዮም። ኣባል ቤት ምኽሪ ግሪጎርይ ሚክ፣ "እቲ ተስፋ ዝገብሮ፣ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ከብጽሕ እዩ ዝብል እዩ። እንተኾነ፣ ህወሓት ክሳብ ኤርትራ ክንግስግስ ንኽእል ኢና ከምዝበሉ ሰሚዔ ኣለኹ። እዚ ማለት፣ እቲ ግጭት ሓደገኛ ማእዝን ይሕዝ ከምዘሎ ንጹር ምልክት እዩ።"

ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ክልል ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ተፈጺሙ ልዕሊ 60 ሰባት ድሕሪ ምቅታሉ ውግእ ገዲድዎ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒ ፈጺሞም፣ ጾታዊ ምግሳስ፣ ረድኤት እኽሊ ንከይሓልፍ ከልኪሎምን ንመጠነ ሰፊሕ ጥምየት ኣቃሊዖምን ኢሎም ተጋሩ ንወትሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኸሱ። ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ሚካኤል ማኩል ብወገኖም ከምዚ ይብሉ፣ "ገበን ኩናት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት፣ ተግባራት ምጽናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፈጺሙ እዩ። ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝሓለፈ ቅነ ‘ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን’ ኢሉ’ዩ። እዚ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኣሰንባዲ ጥፍኣት ምክሓድ እዩ።"

ብመሰረት ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID)፣ ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ እቶም 4.5 ሚልዮን ንህጹጽ ሓገዝ ዝተቃለዐ ክኸውንከሎ ኣስታት 900 ሽሕ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ እዮም።

በዓልቲ ስልጣን ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ ሳራ ቻርለስ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ቀሪባ ምስክርነታ ክትህብ ከላ፣ "ብሕልፊ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸም ጾታዊ ምግሳስ ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን" በለት::

"ገበነኛታት ንኣንስቲ ኣቅሽሽቲ ደፊሮም፣ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ቤተሰበን ተጋሲሶምወን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ጭካኔ ዝተሓወሶ ዓመጽ ፈጺሞም እዮም። ቅድሚ ሎሚ ብግልጺ ከምዝበልክዎ፣ ርዝነት እቲ ዝተፈጸመ መግሃስቲ፣ ኣብ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ዘበን ሰብኣዊ ኣገልግሎተይ ሪኤዮን ሰሚዔዮን ዘይፈልጥ ግፍዒ እዩ።"

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክሳብ እዋን ማሕረስ ዝውዳኣሉ መስከረም ዝጽንሕ እዩ ይብል። እዚ እዋን’ዚ፣ ኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ዕድል ዝረኽብሉ ጊዜ ክኸውን እዩ።

ካብ ኣትላንቲክ ካውንስል ካሜሩን ሃድሰን ከምዚ ይብል፣ "ኣብ እዋን ምቁራጽ ተጻብኦ እቲ ቀዲሙ ዝስራዕ፣ ናብ ህዝቢ ንምብጻሕን ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሓደጋ ጥምየት ካብ ልዕሊ ኣስታት ሚልዮን ህዝቢ ንምቅንጣጥ ምስራሕ እዩ። እዚ እቲ ፈላማይ ዕዮ እዩ። ከምዝመስለኒ፣ እቲ ካልኣይ ዕዮ፣ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ዓቂብካን ትካላዊ ገይርካን፣ ፖለቲካዊ ልዝብ ንክሳለጥ ባይታ ንምጥጣሕ ምጥቃም ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ።"

ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ እንተኾኑ፣ እቲ ዝተጠቀሰ ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር እንተዘይኪኢሉ ዘኽፍሎ ዋጋ ክቡር ከምዝኾኑ እዮም ይዛረቡ። ግሪጎርይ ሚክስ፣ ንሮበርት ጎደክ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያትወጻኢ ኣሜሪካ ዘቅረብዎ ሕቶን ዝረኸብዎ መልሲን እዚ ይመስል::

"እቶም ተዋጋእቲ ወገናት፣ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ’ዚ ከም ኣጋጣሚ ተጠቂሞም ናብ ዝተናወሐን ውግእ ሕድ ሕድን ንምእታው ድዮም ዝፍትኑ ዘለው?"

ሮበርት ጎደክ ዝሃብዎ መልሲ፣ "እቲ ንሕና ንደልዮ፣ ኩሎም ወገናት ዝኣምንሉን ዝተቀበልዎን ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና፣ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ንምቁራጽ ተጻብኦ ድልዋት እንተኾይኖም ዝረኸብናዮ መረጋገጺ ዛጊት የለን። "

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፣ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ዝባሃል ግፍዒ ይከታተሎ ከምዘሎን ኣብ ትሕቲ ገበን ኩናት ዝካተት እንተኾይኑ ይምርምሮም ከምዘሎ እቲ ሪፖርት ጠቂሱ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG