ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

8 አባላት ስድራ ፕረ. ክልል ኦሮምያ ነበር ብዕጡቓት ምቕታሎም ተገሊጹ


ፕረ. ክልል ኦሮምያ ነበር ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ
ፕረ. ክልል ኦሮምያ ነበር ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ

ኣባላት ስድራ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ነበር ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ብዕጡቓት ተቐቲሎም ክብሉ ስድርኦምን ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ከባቢን ገሊፆም።እቶም ዕጡቓት ዝሓለፈ ዓርቢ ንሰለስተ ኣሕዋቶምን ካልኦት ሓሙሽተ ቤተሰቦምን ድሕሪ ምቕታሎም ተሰዊሮም ኣለው ኢሎም።

እቲ ቅትለት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ወረዳ ኖኖ ቤንጃ ኮንቺ ተባሂላ ኣብ እትፅዋዕ ናይ ገጠር ዓዲ ከምዝተፈፀመ ሓዎም ንኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምስን ኣማሓዳሪ ናይቲ ወረዳን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ስድራ ኣቶ ኣለማየሁ ዝተፈፀመ መቕተልቲ ምኽኒያቱ ከምዘይተፈልጠ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ ህይወቶም ዝሰኣኑ ካብ 70 ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ኣማሓዳሪ ናይቲ ወረዳ ኣቲ ኩመራ ድጋ ገሊፆም።

እቶም ዕጡቓት ካብ ጎረቤት ዞባ ዝመፁ እዮም ዝበሉ ኣቶ ኩመራ ነቲ ቅትለት ፈፃሚኡ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ እዩ ክብሉ ስድራ መወትን መንግስትን ይኸሱ።ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ መልሲ ንምርካብ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ሓምሻይ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ነበር ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ነቲ ክልል ካብ 2010 ጀሚሮም ክመርሑ ድሕሪ ምፅናሕ ብዘይተገለፀ ሕማም ኣብ ታይላንድ ክሕከሙ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 2014 ህይወቶም ምሕላፉ ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG