ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ስለያ ሱዳን ነበር ኣብ ከተማ ካርቱም ተኹሲ ምኽፋቶም ተገሊጹ


ካብ መዝነቶም ዝተላዕሉ አባላት ስለያ ሱዳን ንመጣየሲ ዝተዋህቦም ክፍሊት ብምቕዋም ኣብ ከተማ ካርቱም ተኹሲ ምኽፋቶም ስዒቡ መዓርፎ ነፈርቲ’ታ ሃገር ብግዝያዊነት ምዕጻው ተገሊጹ።

ብተወሳኺ ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ምውፋሮምን ናብ ህንጻ ቤት ድሕፈት ስለያ’ታ ሃገር ዝወስድ ጎደና’ውን ምዕጻው ናይ ዓይኒ መሰካኽር ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ምሕባሮም ተፈሊጡ።

ሚንስትር ሓበሬታ ሱዳን ፌይሰል መሃመድ ሳልሕ ብቴሌቭዥን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ተኹሲ ዝኸፈቱ አባላት ስለያ’ታ ሃገር ነበር ኮይኖም ንመጣየሲ ዝተዋህቦም ክፍሊት ከምዘይተሓጎሱ ንምግላጽ ናብ ሰማይ ምትዃሶም ገሊጾም።

ንሶም ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን ነቲ ጉጅለ ኣጽዋሮም ከረኽቡ ከምዝሓተቱን በቲ ፍጻመ ዝበጽሓ ጉድኣት ከምዘየሎም ሓቢሮም ኣለው።

ሚንስትሪ ሲቪል ኣቭየሽን ሱዳን መዓርፎ ነፈርቲ’ታ ሃገር ንሓሙሽተ ሰዓታት ምዕጻው ሓቢሩ’ሎ።

ኣብታ ሃገር ዝሓለፈ ዓመት ንዝተራእየ ተቓውሞ ዝመርሓ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ጣልቃ ክኣትው ጸዊዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG